1. ተመለሲ ተመለሲ፡ ኣቲ ሱላሚት፡ ክርእየክስ ተመለሲ፡ እስኪ ተመለሲ። ኣብታ ሱላሚትከ እንታይ ክትርእዩ ኢኹም፧ ንሳዶ ኸም ናይ መሃናይም ደበላ ትስዕስዕ አላ እያ፧

2. ኣቲ ጓል መስፍንኣእጋርኪጫማ ምስ ገበራ፡ ክንደይ ይጽብቓ፡ ቅርጺ ሕቜኺ ኸም ብኢድ ብልሓተኛ እተሰርሔ ስልማት እዩ።

3. ሕምብርትኺ እተሖሰ ወይኒ ዘይጐድሎ ኸቢብ ጽዋእ እዩ። ከርስኺ ብዕምባባ እተኸበ ምህርቲ ስርናይ እዩ።

4. ክልቲኣተን ኣጥባትኪ ኸም ምንታ መሓስእ ሜዳቚ እየን።

5. ክሳድኪ ኸም ግምቢ ስኒ ሓርማዝ እዩ፡ ኣዕንትኺ ኸምቲ ኣብ ጥቓ ደገ ባት-ራቢም ዘሎ ሓጽብታት ሄስቦን እየን። ኣፍንጫኺ ኸምቲ ንደማስቆ ገጹ ዚርኢ ግምቢ ሊባኖስ እዩ።

6. ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ቀርሜሎስ እዩጸጒሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፡ ንጉስ ብቚኖኺ ተኣሰረ

7. ኣቲ ፍቕረይ፡ ክንደይ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣብ ማእከል ደስታስ ክንደይ ትፍተዊ

8. እዚ ቚመትኪ ስየ፡ ኣጥባትኪ ድማ ዘለላ ወይኒ ይመስል

9. ኣብ ስየ ኽድይብ፡ ጨናፍራ ኸኣ ክሕዝ እየበልኩ። ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒጨና እስትንፋስኪ ኸኣ ከም ትርንጒ ይኹነለይ፡

10. ኣፍኪ ኸም ናብ ፍትወይ ወሪዱስናብተን ዚድቅሳ ኸናፍር ዜንሸትት ጥዑም ወይኒ ይኹነለይ።

11. ኣነ ናይ ፍትወይ እየ፡ ሃረርታኡ ኸኣ ናባይ እዩ።

12. ኣታ ፍትወየ፡ ናብ መሮር ንውጻእኣብ ዓድታት ንሕደር

13. ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑጐጒማ እንተ ነቒዑ፡ ሮማን እንተ ዐምቢቡ ኽንርእስናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንጊህና ንኺድኣብኡ ፍቕረይ ክህበካ እየ።

14. ናይ ፍቕሪ ትርንጒ መኣዛኡ ይህብ። ኣታ ፍትወይ፡ ንኣኻ ኢለ ዝዐቘርክዎ፡ በብዓይነቱ ሓድሽን ብሉይን ክብር ፍረ ኣብ ደጌታትና አሎ