1. እኔኺ፡ ኣቲ ፍትውተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ እኔኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጒልባብኪ ኸም ርግብታት እየን። ጸጒሪ ርእስኺ ኸም ካብ ከረን ጊልዓድ ዚወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።

2. ኣስናንኪ ኸም እተቘርጻ፡ ካብ ምሕጻብ ዝወጻ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ኲለን መኻን ዜብለን፡ መማንታኤን ድማ ዚወልዳ እዩ።

3. ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ እዩ፡ ኣፍኪ ጽቡቕ እዩ፡ መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጒልባብኪ ኸም ምቃል ሮማን እዩ።

4. ክሳድኪ ኸም ንመቐመጥ ኣጽዋር እተሰርሔሽሕ ዋልታ፡ ኲላተን ዋላቱ ጀጋኑተሰቒልዋ ዘሎ ግምቢ ዳዊት እዩ።

5. ክልቲኤን ኣጥባትኪ ኸም ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹሻን ዚጓሰያ ማንታ መሓስእ ሜዳቚ እየን።

6. መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውልጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሀድምሲ፡ ኣነ ናብ ከረን ከርቤን ናብ ኲርባ ዕጣንን ክኸይድ እየ።

7. ኣቲ ፍትውተየ፡ ኩለንተናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ሕፍቲ የብልክን።

8. ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ኣቲ መርዓተይ፡ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ካብ ርእሲ ኣማናን ካብ ርእሲ ሰኒርን ሄርሞንን፡ ካብ ማሕደር ኣናብስን ካብ ኣኽራን ኣናብርን ጠምቲ

9. ኣቲ ሓብተይመርዓተየልበይ ዘረፍክኒ፡ ብሓንቲ ቘላሕታኽን ብሓንቲ ድሪ ኽሳድክን ልበይ ዘረፍክኒ።

10. ፍቕርኺ ኽንደይ ይጽብቕ፡ ኣቲ ሓብተይመርዓተየ፡ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒመኣዛ ቕብኣትኺውን ካብ ኲሉ ቐመማት ይሐይሽ

11. መርዓተየ፡ ካብ ከናፍርኪ መዓር ወለላ የንጠብጥብመዓርን ጸባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ አሎ፡ ሽቱ ኽዳውንትኺውን ከም ሽቱ ሊባኖስ እዩ።

12. ኣቲ ሓብተይመርዓተየእተሸጐረ ገነትዕጽዊ ዔላሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ።

13. ኣባኺ ዝበቘለት ገነት ሮማንን ክቡር ፍሬታትን ዕምባባ ሪሓንን ናርዶስን

14. ናርዶስ ሳፍራንን፡ ምኡዝ ወምብቆን ቅርፍትን፡ ምስኡውን በብዓይነቱ ኣእዋም ዕጣንከርበን ዓልወን ኲሉ ብሉጽ ቀመማትን ዘለዎ እያ።

15. ናይ ገነት ዓይኒ ማይ፡ ናይ ማይ ህይወት ዔላ፡ ካብ ሊባኖስ ዚፈስስ ፈልፋሊት ኢኺ።

16. ንፋስ ሰሜንተንስእ፡ ንፋስ ደቡብንዓ፡ ምኡዝ ጨናታቱ ምእንቲ ኼፍስስ፡ ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈሱፍትወይ ናብ ገነት ይምጻእ፡ ክቡር ፍሬታቱ ይብላዕ