1. መሃልየ መሃልይ ናይ ሰሎሞን

2. ፍቕርኻ ኻብ ወይኒ ይጥዕም እዩ እሞ፡ ብምስዓም ኣፉ ይስዐመኒ

3. ቅብእኻ ምኡዝ ሽቱ አለዎ፡ ስምካ ዝፈሰሰ ቕብኢ እዩ፡ ስለዚ ኣዋልድ ይፈትዋኻ

4. ደድሕሬኻ ኽንጐይስስሐበኒ፡ እቲ ንጉስ ናብ ሕልፍኙ ኣእተወኒ፡ ብኣኻ ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናን እዩ፡ ሓለፋ ወይኒ ንፍቕርኻ ኽንንእድ ኢና፡ ብቕንዕና እየን ዚፈትዋኻ

5. ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣነስ ጸላም እየ፡ ግናኸ ከም ድንኳውንቲ ቄዳር፡ ከም መጋረጃታት ሰሎሞን ጽብቕቲ እየ።

6. ጸሓይ ኣሕሪራትኒ እያ እሞ፡ ጸላም ስለ ዝዀንኩ ኣይትጠምታኒደቂ እኖይ ኰረዩለይሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ ገበሩኒ፡ ኣታኽልቲ ወይንስ ናተይ እኳ ኣይሐሎኹን

7. ኣታ ነፍሰይ እትፈትወካንመጓሴኻ ኣበይ ተውዕለንቀትርስ ኣበይ ተዕርፈን አሎኻ፧ እስኪ ንገረኒ፡ ስለምንታይከ ኣብ መጓሰ መሓዙትካ ከም ኰብላሊት ዝኸውን፧

8. ኣቲ ኻብ ኣንስቲ እትጽብቒ፡ እንተ ዘይፈለጥክስኣሰኣሰር መጓሰ ውፈሪ እሞ፡ መሓስእኪ ኣብ ጥቓ ድንኳውንቲ ጓሶት ኣብልዒ

9. ኣቲ ፍትውተይ፡ በታ ሰረገላ ፈርኦን እትስሕብ ባዝራ መሰልኩኺ

10. መልክዕ ጒንጭኺ ብስልማት፡ ክሳድኪ ብድሪ ሉል ጽቡቕ እዩ።

11. ኣድሪ ብሩር ዘለዎ ስልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።

12. ንጉስ ኣብ መኣዲ ኸሎ፡ ናርዶሰይ መኣዛኡ ሰደደ

13. ፈታውየይ ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ዚዐርፍ፡ ንኣይ ቊጻር ከርበ እዩ።

14. ፈታውየይ ንኣይሲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዔን-ጌዲ ዚበቚላ ዘለላ ሪሓን እዩ።

15. እኔኹ፡ ኣቲ ፍትውተይ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ እኔኹ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣዒንትኺ ርግብታት እየን።

16. እኔኻ፡ ኣታ ፈታውየይጽቡቕ ኢኻ፡ ተፈታዊ ድማ ኢኻ፡ ዓራትናውን ልምሉም እዩ።

17. ኣግማል ቤትና ኦም ሊባኖስ፡ ግድጊዳና ኸኣ ጽሕዲ እዩ።