1. እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ

2. ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር

3. ወይስ ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧

4. እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና

5. ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና።

6-7. እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለፈሊጥና አሎና።

8-9. እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውትሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብርንኣምን አሎና

10. ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዂሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት እዩ ዝሞተህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዚነብር

11. ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩምብክርስቶስ የሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቊጸሩ

12. እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ

13. ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ

14. ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።

15. እንታይከ ንበል፧ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሓጢኣትዶ ንግበርያእ ኣይፋልናን

16. ንምእዛዙ ባሮት ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎ፡ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞትንምእዛዝ እንተ ዀይኑ ንጽድቂ፡ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧

17-18. ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ምስ ወጻእኩምንጽድቂ ተገዛእኩም፡ ነቲ እተወሃብኩምዎ ምሳሌ ምህሮ ኻብ ልቢ ስለ እተኣዘዝኩም ግና፡ ንኣምላኽ ስብሓት ይዅኖ።

19. ስለ ድኻም ስጋኹም በዛራርባ ሰብ እዛረብ አሎኹ፡ ከምቲ ንርኽሰትን ግፍዕን ናብ ምፍራስ ሕጊ ኣካላትኩም ንባርነት ዝወፌኹምከምኡ ድማ ሕጂ ንጽድቂ ናብ ቅድስና ኺግዛእኣካላትኩም ወፍዩ

20. ባሮት ሓጢኣት ከሎኹምሲ፡ ካብ ጽድቂ ውጹኣት ሓራ ኢኹም ዝነበርኩም

21. መወዳእታኡ ሞት ስለ ዝዀነ፡ በዚ ሎሚ እትሐፍሩሉ ዘሎኹም እንተ ዘይኰይኑስ፡ በቲ ጊዜ እቲ እንታይ ፍሪኡ ነይሩኩም፧

22-23. ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩምንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎመወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።