1. እምበኣርሲ ኣብርሃም ኣቦና፡ ብስጋ እንታይ ረኺቡ፡ ክንብል ኢና፡
2. ኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ እንተ ዝኸውንሲ፡ ገለ ዚምክሓሉ ምረኸበ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ኣይኰነን።
3. እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ ኣብርሃም ብኣምላኽ ኣመነ እሞ እዚ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ።
4. ነቲ ዚገብር ግና ዓስቡ ኸም ዕዳ ዀይኑ እዩ እምበር፡ ከም ጸጋ ኣይኰነን ዚቚጸረሉ።
5. ነቲ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ዚአምን እምበር፡ ዘይገብር ግና፡ እታ እምነቱ ንጽድቂ ትቚጸረሉ እያ።
6. ዳዊት ከኣ ነቲ፡ ኣምላኽ ብዘይግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ ሰብ ብጹእ እዩ ከም ዚበሎ፡
7. እቶም ዓመጻኦም እተሓድገሎም ሓጢኣቶምውን እተኸድነሎም፡ ብጹኣን እዮም።
8. ኣምላኽ ሓጢኣቱ ዘይቁጸረሉ ሰብ ብጹእ እዩ።
9. እምበኣርከ፡ ንኣብርሃም እታ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ፡ ንብል አሎና እሞ፡ እዛ ብጽእና እዚኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ ወይስ ንዘይተገዝሩውን፡
10. ከመይ ኢላኸ እያ እተቘጽረትሉ፧ ብግዝረት ከሎ ድያ ወይስ ብዘይግዝረት፧ ብዘይግዝረት ከሎ እያ እምበር፡ ብግዝረት ከሎስ ኣይኰነትን።
11. ነቶም ጽድቂ ምእንቲ ኪቝጸረሎም ኢሎም ከይተገዝሩ ኸለዉ ዚአምኑ ዂሎም፡ ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንማሕተም እታ ብዘይግረት ከሎ ዝረኸባ ጽድቂ እምነት ናይ ግዝረት መፈለጥታ ተቐበለ።
12. ኣቦ ግዙራትውን ኪኸውን፡ ማለት፡ ነታ ንኣብርሃም ኣቦና ብዘይግዝረት ከሎ ዝነበረቶ እምነት፡ ኣስኣሰራ ንዚኸዱ እምበር፡ ካብ ግዝረት ንዘበሉ ጥራይ ኣይኰነን።
13. እታ ንኣብርሃም ወይስ ንዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ምእንቲ ኪኸውን፡ እተዋሃበቶ ተስፋ ብጽድቂ እምነት እያ እምበር፡ ብሕጊ ኣይኰነትን እሞ፡
14. እቶም ካብ ሕጊ ዝዀኑ እንተ ዚወርሱስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ እታ ተስፋውን ምተጠልመት ነይራ።
15. እቲ ሕግስ ቊጥዓ እዩ ዜምጽእ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና፡ ኣብኡ ምፍራስውን የልቦን።
16. ስለዚ ኻብ እምነት ኣብርሃም ንዝዀነ ዂሉ ዘርኢ ኸኣ እዩ እምበር፡ ካብ ሕጊ ንዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ተስፋ ኽትጸንዕ፡ ብጸጋ ምእንቲ ኪኽውንሲ፡ ብእምነት እዩ ዚኸውን። ኣብርሃም ከኣ ኣቦ ዂላትና እዩ፡
17. ከምቲ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ አሎኹ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኣመኖ፡ ንምዉታት ዜተንስኦም፡ ነቲ ዘየሎውን ከም ህልዊ ገይሩ ዚጽውዖ ኣምላኽ፡
18. ከምቲ ብሁል ድማ፡ ዘርእኻ ኸምዚ ኪኸውን እዩ፡ ተስፋ ኣብ ዜብሉስ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነ።
19. ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ፡ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማሕጸን ሳራን እናረኣየ፡ ንምእማን ኣይደኸመን፡
20. ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ንምእማን በርትዔ እምበር፡ ነታ ተስፋ እምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይተዋላወለን።
21. ነታ ዝሃቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ፡ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ።
22. ስለዚ ድማ ንጽድቂ ተቘጽረትሉ።
23-24. እዚ ኸኣ ስሌናውን እምበር፡ ስሊኡ ጥራይ ከም እተቘጽረሉ ኣይተጻሕፈን። ንኣና፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ንንኣምን ከኣ፡ ይቚጸረልና እዩ።
25. ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...