1. እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ድማ መለኸት ነፍሔኰዀብ ከኣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኺወድቕ ከሎ ርኤኹመርሖ ዓሚቝ ዔላውን ተዋህቦ

2. ነቲ ዓሚቝ ዔላ ድማ ከፈቶካብቲ ዔላ ኸኣ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዚመስል ትኪ ወጸብትኪ እቲ ዔላ ድማ ጸሓይን ኣየርን ጸልመተ

3. ካብቲ ትኪ ድማ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወጸ፡ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ኣብ ምድሪ ስልጣን ዘለወን ከኣ፡ ስልጣን ተዋህቦ

4. ንእኡውን፡ ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዜብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎስንሳዕሪ፡ ወይስ ለምለም ንዘበለ፡ ወይስ ነእዋም ኣይትጕድኣዮምተባህለሉ

5. ሓሙሽተ ወርሒ ደኣ ኺሳቕዮም እምበር፡ ከይቀትሎምውን ተዋህቦእቲ ስቓዮም ከም ስቓይ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ ከላ እዩ።

6. በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ኪደልይዎ እሞ ኣይኪረኽብዎን እዮም፡ ሙማትውን ኪምነዩ እዮም፡ እቲ ሞት ግና ካባታቶም ኪሀድም እዩ።

7. ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል፡ ኣብ ረርእሱውን ኣኽሊላት ወርቂ ዚመስል አለዎ፡ ገጹ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ እዩ።

8. ከም ጸጕሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጕሪ ድማ አለዎኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ።

9. ድርዒ ሓጺን ዚመስል ድርዒ ኸኣ አለዎደሃይ ኣኽናፉውን ከም ደሃይ ሰረገላታት፡ ናብ ውግእ ዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ እዩ።

10. ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራን ሕንዝን አለዎንሰብሲ ሓሙሽተ ወርሒ ኺጐድኦም ከኣ ኣብ ጭራኡ ስልጣን አለዎ

11. ንጉስ አለዎ፡ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፡ ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን እዩ፡ ብጽርኢ ኸኣ ስሙ ኣጶልዮን ይብሀል።

12. እቲ ቐዳማይ ወዮ ሐሊፉድሕርዚ ኸኣ እንሆገና ኽልተ ወዮ ይመጽእ አሎ።

13-14. እቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘለዎ ሳድሳይ መልኣኽ፡ ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮምዚብሎ ድምጺ ሰማዕኩ

15. እቶም ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን እተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲንሲሶ ሰብ ምእንቲ ኪቐትሉተፈትሑ

16. ቍጽሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ከኣ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፡ ቍጽሮም ሰማዕኩ

17. ብራእይውን ከምኡ እቶም ኣፍራስን እቶም ተቐሚጦምዎም ዘለውን ርኤኹሓውን ህያክንቶስን ዲንን ዚመስል ድርዒ አለዎም። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል፡ ካብ ኣፎምውን ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ

18. በቲ ኻብ ኣፎም ዝወጸ ሓውን ትክን ዲንንበዘን ሰለስተ መዓት እዚኤን ሲሶ ሰብ ተቐትለ

19. ስልጣን እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ እሞ፡ እቲ ጭራኦም ኣትማን እዩ ዚመስልኣራእስውን አለዎ፡ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዚጐድኡ

20. እቶም በዘን መዓት እዚኣተን ከይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ከኣንኣጋንንትን ነቶም ኪርእዩወይስ ኪሰምዑወይስ ኪኸዱ ዘይከአሎም ጣኦታት ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ኣእማንን ኣዕጻውን ከይሰግዱ ኻብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን

21. ካብ ነፍሲ ምቕታሎምወይስ ካብ ኣስማቶምወይስ ካብ ምንዝርናኦምወይስ ካብ ስርቆም ኣይተነስሑን