1. ናብ መልኣኽ ማሕበር ሳርዴስውን ጽሐፍእቲሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን ሾብዓተ ከዋኽብትን ዘለውዎ፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ፡ ህያው ተብሂልካ ትስመ አሎኻ፡ ግናኸ ምዉት ኢኻ

2. ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፡ ንቑሕ ኩን፡ ነቶም ኪሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦትውን ኣበርትዓዮም

3. ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ ሐልዎ ተነሳሕውንእንተ ዘይነቓሕካ ግና፡ ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ፡ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ።

4. ኣብ ሳርዴስ ግና ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት ስማት አለዉኻ፡ ንሳቶም ብቑዓት እዮም እሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱ እዮም።

5. እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ፡ ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ

6. እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ

7. ናብ መልኣኽ ማሕበር ፊላደልፍያውን ጽሐፍ፡ እቲ ቅዱስሓቀኛ፡ መርሖ ዳዊት ዘለዎ፡ ንሱ ምስ ከፈተሓደ እኳ ዘይዐጹ፡ ንሱ ምስ ዐጸወ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ዘይከፍትከምዚ ይብል አሎ፡

8. ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ። ዓቕምኻ ሒደት እዩንቓለይ ሐሊኻዮ ንስመይውን ኣይከሐድካዮን እሞ፡ እንሆሓደ እኳ ኺዐጽዎ ዘይኽእል ክፉት ደገ ሂበካ አሎኹ

9. እንሆካብቶምኣይሁድ ኢናዚብሉ ማሕበር ስይጣን፡ ግናኸ ይሕስዉ አለዉ እምበር፡ ኣይሁድሲ ዘይኰኑ፡ እህበካ አሎኹ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ዚመጹንኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዚሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻውን ከም ዚፈልጡንክገብሮም እየ

10. ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ

11. ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ

12. ነቲ ዚስዕር ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ ዓንዲ ኽገብሮ እየ፡ ካብኣ ከቶ ኣይኪወጽእን እዩ። ስም ኣምላኸይን ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይንናይታ ኻብ ኣምላኸይ ካብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ነቲ ሓድሽ ስመይን ክጽሕፈሉ እየ።

13. እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ

14. ናብ መልኣኽ ማሕበር ሎዲቅያውን ጽሐፍ፡ እቲ ኣሜንእሙን ሓቀኛ ምስክርመጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽከምዚ ይብል አሎ፡

15. ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘምዃንካግብርኻ እፈልጥ አሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ።

16. ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ።

17. ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ።

18. ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ አሎኹ።

19. ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ

20. እንሆኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።

21. ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ።

22. እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ