1. ናብ መልኣኽ ማሕበር ኤፌሶን ጽሐፍ፡ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሐዘ፡ ኣብ ማእከል እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂውን ዚመላለስ ከምዚ ይብል አሎ፡

2. ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻንነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካንነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምንእፈልጥ አሎኹ።

3. ትዕግስቲ ኸኣ አሎካስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካኣይሰልኬኻን

4. ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ ኣሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ

5. እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮእንተ ዘይኰነስ ክመጸካእንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ

6. ግናኸ ነቲ ኣነውን ዝጸልኦ ዘሎኹ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ አሎካ።

7. እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ

8. ናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሐፍ፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይንሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል አሎ፡

9. ጸበባኻን ድኽነትካን፦ ግናኸ ሃብታም ኢኻጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዚብሉን፦ ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑእፈልጥ አሎኹ።

10. እንሆምእንቲ ኽትፍተኑስ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ

11. እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕእቲ ዚስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኩጕዳእን እዩ።

12. ናብ መልኣኽ ማሕበር ጴርጋሞስውን ጽሐፍእቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፉ ዝሐዘ ኸምዚ ይብል አሎ፡

13. ኣበይ ከም እትነብር፡ ማለት ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዝፋን ዘለዎ ምዃኑ እፈልጥ አሎኹ እሞ ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ አሎኻ፡ ኣብቲ ሰይጣን ዚነብረሉንኣንቲጶስነቲ እሙን ምስክረይ፡ ኣብ ማእከልኩም ብዝቐተልዎ መዓልትታት እኳ ንእምነተይ ኣይከሐድካያን

14. ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባርንጣኦታት እተሐርደ ኺበልዑን ኪምንዝሩን ንባላቅ ዝመሀሮ ምህሮ በላዓም ዝሐዙ ስለ ዘለውኻ ግና፡ ቅሩብ ነገር ረኺበልካ አሎኹ

15. ከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሐዝዎ አለዉኻ።

16. ስለዚ ተነሳሕእንተ ዘይኰነስ ቀልጢፈ ኽመጽእብሰይፊ ኣፈይውን ክዋግኦም እየ።

17. እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየጻዕዳ እምኒ ድማ፡ ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ።

18. ናብ መልኣኽ ማሕበር ትያቲራውን ጽሐፍእቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ፡ ኣእጋሩውን ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ዚመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡

19. ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን፡ እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕእፈልጥ አሎኹ

20. ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየእናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ አሎኹ።

21. ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፡ ጊዜ ሂበያስ፡ ንሳ ግና ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን

22. እንሆ፡ ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ፡ ነቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ፡ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑስ፡ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ።

23. ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ፡ ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ኪፈልጣ እየንንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ።

24. ኣብ ትያትራ ንዘሎኹም ኵላትኩም ካልኦት ግና፡ ነቲ መዓሙቝ ሰይጣን፦ ከመዮ ንሳቶም ዚብልዎዘይፈልጥኩምዎእዚ ምህሮ እዚ ንዜብልኩም፡ ንኣኻትኩምሲካልእ ጾር ኣየጹረኩምን እየ፡ እብለኩም አሎኹ።

25. ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሐዝዎ

26-27. ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።

28. ኰዀብ ጽባሕውን ክህቦ እየ።

29. እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ