1. እምብኣርሲ፡ ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፡ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን፡ ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ከምዚ ዄንኩም ብጐይታ ጽንዑ።
2. ሓሳበን ብጐይታ ሓንቲ ኽትከውን፡ ንኤዎድያ እምዕድ፡ ንስንጥኬውን እምዕድ አሎኹ።
3. እወ፡ ኣታ እሙን ሲሲጎስ፡ ንኣኻውን ክትድግፈን እልምነካ አሎኹ። ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምሳይ ብወንጌል ዝጸዓራ እየን።
4. ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል አሎኹ።
5. እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ።
6. ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።
7. እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።
8. ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።
9. ነቲ ኻባይ እተመሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።
10. ደጊምሲ ኽትሐስቡለይ ሓድሽ ህይወት ሕጂ ስለ ዝረኸብኩም፡ ብጐይታ ብዙሕ እሕጐስ አሎኹ፡ ዘይሰለጠኩም ደኣ ዀይኑ እምበር፡ ቀደም ከኣ ሐሲብኩም ኔርኩም።
11. ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይአኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘሎኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብሎ ዘሎኹ።
12. ትሕት ምባል እፈልጥ፡ ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን፡ ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ።
13. በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
14. ኣብቲ ጸበባይ ብምሕባርኩም ግና ጽቡቕ ገበርኩም።
15. ኣቱም ሰብ ፊልጲ፡ በቲ ናይ ወንጌል መጀመርታ ኻብ መቄዶንያ ምስ ወጻእኩ፡ ብጀካኻትኩም ጥራይ ካብ ማሕበር ብናይ ምሃብን ምውሳድን ሓደ እኳ ምሳይ ከም ዘይሐበረ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
16. ኣብ ተሰሎንቄውን ሓደ ጊዜን ካልኣይ ጊዜን ዜድልየኒ ሰዲድኩምለይ።
17. ኣነስ እቲ ፍረ ንኣኻትኩም ኪበዝሓልኩም ኢለ እየ እምበር፡ ውህበትኩም ደልየ ኣይኰንኩን።
18. ሕጂ ግና ኵሉ አሎኒ፡ ምስ ትርፉውን አሎኒ። እቲ ካባኻትኩም ብኢድ ኤጳፍሮዲጦስ ዝመጸ ምዑዝ ሽታ፡ ስሙር ንኣምላኽ ዜሐጕስ መስዋእቲ፡ ምስ ተቐበልኩ ድማ፡ መሊኤ አሎኹ።
19. ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።
20. ግናኸ ንኣምላኽናን ኣቦናን ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
21. ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ቅዱሳን ንነፍሲ ወከፎም ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትውን ሰላም ይብሉኹም አለዉ።
22. ኵሎም እቶም ቅዱሳን፡ ምናዳ እቶም ካብ ቤት ቄሳር ዘበሉ፡ ሰላም ይብሉኹም አለዉ።
23. ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...