1. ናብ ማዕዶ ባሕሪ፡ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን መጹ።
2. ካብ ጃልባ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ካብ መቓብር ወጺኡ ተጓነፎ።
3. ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፡ ብመቝሕ እኳ ኼጽንዖ ዝኽኣለ ኣይነበረን።
4. ብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረ፡ ንመቝሕ ይሰብሮ፡ ንሰንሰለትውን ይበትኮ ነበረ እሞ፡ ኬሕምቖ ዝኽእለ ከቶ ኣይነበረን።
5. ኵሉ ሳዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ኸኣ ብጽልጽለ ይበጥሕ ነበረ።
6. ንየሱስ፡ ርሑቕ ከሎ፡ ምስ ረኣዩ፡ ጐይዩ ሰገደሉ እሞ፡
7. ዎ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ አሎኒ፧ ከይትሳቐየኒ ብኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ፡ እናበለ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ።
8. የሱስ፡ ኣታ ርኹስ መንፈስ፡ ካብዚ ሰብኣይዚ ውጻእ፡ ስለ ዝበሎ እዩ።
9. ስምካኸ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኢና እሞ፡ ስመይ ለጌዎን እዩ፡ በሎ።
10. ካብታ ሃገር ከየውጽኦም፡ ብዙሕ ለመኖ።
11. ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ጸግዒ ኸረን ይበልዕ ነበረ።
12. ንሳቶም ከኣ፡ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብኤን ክንኣቱ፡ ኢሎም ለመንዎ።
13. የሱስ ከኣ ብኡብኡ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እቲ መጓሰ ኸኣ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸደፈ። ኣስታት ክልተ ሽሕ ነበራ። ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ሞታ።
14. እቶም ጓሶት ድማ ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከኣ ኣውረዩ። እቶም ሰብ ከኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ።
15. ናብ የሱስ መጹ፡ እቲ ርኹሳት መናፍስቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ፡ ለጌዎን ዝነበርዎ፡ ተቐሚጡ፡ ተኸዲኑ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረአይዎ እሞ ፈርሁ።
16. እቶም ዝረኣዩ ድማ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ኸመይ ከም ዝዀነን ብናይተን ሓሰማታትን ነገርዎም።
17. ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልሰሎም ከኣ ኪልምንዎ ጀመሩ።
18. ኣብ ጃልባ ኺኣቱ ኸሎ፡ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ።
19. የሱስ ግና፡ ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሐረካን ንገሮም፡ በሎ እምበር፡ ኣይፈቐደሉን።
20. ከይዱ ኸኣ፡ የሱስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረሉ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ኺሰብክ ጀመረ፡ ኵሎምውን ተደነቑ።
21. ከም ብሓድሽ ድማ የሱስ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስ ተሳገረ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተአከበ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸኣ ነበረ።
22. ካብ መራሕቲ ቤት ጸሎት ሓደ፡ ያኢሮስ ዝስሙ መጸ። ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡
23. ጓለይ ክትመውት ኢላ አላ እሞ፡ ምእንቲ ኽትፍወስን ክትሐውንሲ፡ መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ፡ ኢሉ ኣጽኒዑ ለመኖ።
24. ምስኡ ድማ ኸደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ሰዐብዎ፡ ይደፍእዎውን ነበሩ።
25. ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት።
26. ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኵሉ ገንዘባውን ወድኤት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን።
27-28. ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዔት፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬዅ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ አላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ መጺኣ ኽዳኑ ተንከየት።
29. ብኡብኡ ዓይኒ ደማ ነቐጸ፡ ካብ ሕማማ ከም ዝሐወየት ከኣ ንነፍሳ ተፈለጣ።
30. ሽዑ የሱስ፡ ካብኡ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ብውሽጡ ተፈሊጥዎ፡ ናብቶም ህዝቢ ግልጽ ኢሉ፡ መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየ፧ በለ።
31. ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ህዝቢ ኺደፍኣካ ትርኢ አሎኻ፡ ንስኻ ግና፡ መን ተንከየኒ፧ ትብል፡ በልዎ።
32. ነታ እዚ ዝገበረት ኪርኢ ድማ ግልጽ ግልጽ በለ።
33. እታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ ኣብኣ ዝዀነ ነገር ፈሊጣ ነበረት እሞ ፈሪሃ፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ ዅሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ።
34. ንሱ ኸኣ፡ ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሓነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዓዪ፡ በላ።
35. ገና እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ አሎኻ፧ ዚብልዎ መጹ።
36. የሱስ ከኣ እዚ ዘረባ እዚ ኺዛረቡ ምስ ሰምዔ፡ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ፡ በሎ።
37. ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስ ሓዉ ያእቆብን፡ ሓደ እኳ ኺስዕቦ ኣይፈቐደን።
38. ናብ ገዛ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ ኣተዉ፡ ጫውጫው ዚብሉን ዚበኽዩን ብዙሕ ዋይዋይ ዚብሉን ረአየ።
39. አትዩ፡ እዛ ቘልዓ ደቂሳ አላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ ስለምንታይከ ጫውጫው ትብሉን ትበኽዮን፧ አሎኹም በሎም።
40. ሰሐቕዎ ድማ። ንሱ ግና ንዅሎም ኣውጺኡ፡ ኣቦ እታ ቘልዓን ኣዲኣን እቶም ምስኡ ዘለውን ሒዙ፡ ናብቲ እታ ቘልዓ ዘላቶ ኣተወ።
41. ኢድ እታ ቘልዓ ሒዙ ኸኣ፡ ጣሊታ ቁሚ፡ በላ። ትርጓሚኡ፡ ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ፡ እብለኪ አሎኹ፡ እዩ።
42. እታ ጓል ድማ ብኡብኡ ተንስኤት፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ገይራ ነበረት እሞ፡ ተዛወረት። ሽዑ ዓብዪ ምግራም ተገረሙ።
43. ነዚ ሓደ እኳ ኸይፈልጦ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ኸኣ ነገሮም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...