1. ናብ ማዕዶ ባሕሪ፡ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን መጹ

2. ካብ ጃልባ ምስ ወጸብኡብኡ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ካብ መቓብር ወጺኡ ተጓነፎ

3. ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፡ ብመቝሕ እኳ ኼጽንዖ ዝኽኣለ ኣይነበረን

4. ብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረንመቝሕ ይሰብሮንሰንሰለትውን ይበትኮ ነበረ እሞ፡ ኬሕምቖ ዝኽእለ ከቶ ኣይነበረን።

5. ኵሉ ሳዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ኸኣ ብጽልጽለ ይበጥሕ ነበረ

6. ንየሱስርሑቕ ከሎ፡ ምስ ረኣዩጐይዩ ሰገደሉ እሞ፡

7. የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽምሳኻ እንታይ አሎኒከይትሳቐየኒ ብኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ፡ እናበለ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ

8. የሱስ፡ ኣታ ርኹስ መንፈስካብዚ ሰብኣይዚ ውጻእ፡ ስለ ዝበሎ እዩ።

9. ስምካኸ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኢና እሞስመይ ለጌዎን እዩ፡ በሎ

10. ካብታ ሃገር ከየውጽኦምብዙሕ ለመኖ

11. ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ጸግዒ ኸረን ይበልዕ ነበረ

12. ንሳቶም ከኣ፡ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብኤን ክንኣቱኢሎም ለመንዎ

13. የሱስ ከኣ ብኡብኡ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እቲ መጓሰ ኸኣ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸደፈኣስታት ክልተ ሽሕ ነበራ። ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ሞታ።

14. እቶም ጓሶት ድማ ሃደሙኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከኣ ኣውረዩእቶም ሰብ ከኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ

15. ናብ የሱስ መጹ፡ እቲ ርኹሳት መናፍስቲ ሒዞምዎ ዝነበሩለጌዎን ዝነበርዎተቐሚጡተኸዲኑናብ ልቡ ተመሊሱ ረአይዎ እሞ ፈርሁ

16. እቶም ዝረኣዩ ድማ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ኸመይ ከም ዝዀነን ብናይተን ሓሰማታትን ነገርዎም

17. ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልሰሎም ከኣ ኪልምንዎ ጀመሩ

18. ኣብ ጃልባ ኺኣቱ ኸሎ፡ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ

19. የሱስ ግና፡ ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድእግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሐረካን ንገሮምበሎ እምበር፡ ኣይፈቐደሉን

20. ከይዱ ኸኣ፡ የሱስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረሉ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ኺሰብክ ጀመረኵሎምውን ተደነቑ

21. ከም ብሓድሽ ድማ የሱስ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስ ተሳገረብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተአከበ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸኣ ነበረ

22. ካብ መራሕቲ ቤት ጸሎት ሓደያኢሮስ ዝስሙ መጸ። ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ ኣብ እግሩ ወዲቑ

23. ጓለይ ክትመውት ኢላ አላ እሞ፡ ምእንቲ ኽትፍወስን ክትሐውንሲመጺእካ ኢድካ ኣንብረላኢሉ ኣጽኒዑ ለመኖ

24. ምስኡ ድማ ኸደብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ሰዐብዎይደፍእዎውን ነበሩ።

25. ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት።

26. ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየትኵሉ ገንዘባውን ወድኤትግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን

27-28. ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዔትክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬዅክሐዊ እየኢላ አላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ መጺኣ ኽዳኑ ተንከየት

29. ብኡብኡ ዓይኒ ደማ ነቐጸ፡ ካብ ሕማማ ከም ዝሐወየት ከኣ ንነፍሳ ተፈለጣ

30. ሽዑ የሱስካብኡ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ብውሽጡ ተፈሊጥዎ፡ ናብቶም ህዝቢ ግልጽ ኢሉ፡ መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየበለ

31. ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ህዝቢ ኺደፍኣካ ትርኢ አሎኻ፡ ንስኻ ግና፡ መን ተንከየኒትብልበልዎ

32. ነታ እዚ ዝገበረት ኪርኢ ድማ ግልጽ ግልጽ በለ።

33. እታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ ኣብኣ ዝዀነ ነገር ፈሊጣ ነበረት እሞ ፈሪሃራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ ዅሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ

34. ንሱ ኸኣ፡ ጓለየእምነትኪ ኣድሓነትኪብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዓዪበላ

35. ገና እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎትጓልካ ሞይታደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ አሎኻ፧ ዚብልዎ መጹ

36. የሱስ ከኣ እዚ ዘረባ እዚ ኺዛረቡ ምስ ሰምዔ፡ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎትኣይትፍራህእመን ደኣበሎ

37. ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስ ሓዉ ያእቆብን፡ ሓደ እኳ ኺስዕቦ ኣይፈቐደን

38. ናብ ገዛ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ ኣተዉጫውጫው ዚብሉን ዚበኽዩን ብዙሕ ዋይዋይ ዚብሉን ረአየ

39. አትዩ፡ እዛ ቘልዓ ደቂሳ አላ እምበር፡ ኣይሞተትንስለምንታይከ ጫውጫው ትብሉን ትበኽዮን፧ አሎኹም በሎም

40. ሰሐቕዎ ድማ። ንሱ ግና ንዅሎም ኣውጺኡኣቦ እታ ቘልዓን ኣዲኣን እቶም ምስኡ ዘለውን ሒዙ፡ ናብቲ እታ ቘልዓ ዘላቶ ኣተወ

41. ኢድ እታ ቘልዓ ሒዙ ኸኣ፡ ጣሊታ ቁሚበላትርጓሚኡ፡ ኣቲ ጓልተንስኢእብለኪ አሎኹ፡ እዩ።

42. እታ ጓል ድማ ብኡብኡ ተንስኤትዓሰርተው ክልተ ዓመት ገይራ ነበረት እሞ፡ ተዛወረት። ሽዑ ዓብዪ ምግራም ተገረሙ

43. ነዚ ሓደ እኳ ኸይፈልጦኣሕሚሙ ኣዘዞምዚብላዕ ኪህብዋ ኸኣ ነገሮም