1. ሰንበት ምስ ሐለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ኪለኽያኦ ቕዲት ዓደጋ።
2. ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ፡ ናብ መቓብር መጸ።
3. ንሓድሕደን ከኣ፡ እቲ እምንስ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ኪግልብጠልና እዩ፧ ተባሃሃላ።
4. እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ ነበረ እሞ፡ ንላዕሊ ገጸን እንተ ጠመታ፡ ተገልቢጡ ረኣያ።
5. ናብ መቓብር ኣትየን፡ ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ በጽሒ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ፡ ሰምበዳ ኸኣ።
6. ንሱ ድማ፥ ኣይትሰምብዳ፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ አሎኽን። ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። እታ ኣብኣ ዘንበርዎ ቦታ፡ እንሃ።
7. ኪዳ ደኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ከምታ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ ኢልክን ንገራኦም፡ በለን።
8. ምንቅጥቃጥን ስምባድን ሒዝወን ነበረ እሞ፡ ካብ መቓብር ወጺኤን ሃደማ። ፈሪሄን ስለ ዝነበራ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይነገራን።
9. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ።
10. ንሳ ድማ ከይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ኪበኽዩን ኪጕህዩን ከለዉ፡ ነገረቶም።
11. ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ህያው ምዃኑ፡ ንእኣውን ከም እተራእያ ምስ ሰምዑ፡ ኣይአመኑን።
12. ድሕርዚ ንኽልተ ኻባታቶም፡ ናብ ሃገረ ሰብ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣብ መገዲ ብኻልእ መልክዕ ተጋህደሎም።
13. ንሳቶም ከኣ ከይዶም ነቶም ካልኦት ነገርዎም፡ ንኣታቶምውን ኣይኣመንዎምን።
14. ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረአይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖም ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎም።
15. በሎም ድማ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ።
16. ዝአመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘያኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።
17. ነቶም ዚአምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ፥ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ከኣ ኪዛረቡ፡
18. ኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም።
19. ጐይታና የሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ።
20. ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...