1. ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋን በዓል ቅጫን ነበረሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሐፍትን ብተንኰል ሒዞም ኪቐትልዎ ደለዩ

2. ግናኸ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ኸይለዓልሲ ብበዓል ኣይኹንበሉ

3. ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ

4. ሓያሎ ብልቦም እናተናደዱንምንታይ እዚ ጥፍኣት ቅዱይ ቅብኢ ዀነ

5. እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንዚበዝሕ ተሸይጡስንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ኰረዩላ

6. የሱስ ግና፥ ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧ ሕደግዋጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ አላ።

7. ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም አለዉ፡ ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ፡ ይከአለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም።

8. ዚከኣላ ገበረትኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብኤት

9. እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም፡ እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገርብሓቂ እብለኩም አሎኩ፡ በለ።

10. ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ንእኡ ኣሕሊፉ ኺህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ

11. ሰሚዖም ተሓጐሱ። ኣቕራሽ ኪህብዎ ኸኣ ኣውዐሉሉ። ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኺህቦም ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ።

12. በታ ገንሸል ፋስጋ ዚሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫደቀ መዛሙርቱገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ

13. ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ድማ፡ ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ንእኡ ስዓብዎ

14. ኣብታ ዚኣትዋ ኸኣ ነቲ ብዓል ቤት፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧ ይብለካ አሎ መምህርበልዎ

15. ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና፡ በሎም።

16. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዱ፡ ናብታ ኸተማ ኸኣ መጹከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ

17. ምስ መሰየ፡ ንሱ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ

18. ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስሓደ ኻባካትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕኬትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በለ።

19. ኪጕህዩ ጀመሩበብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውንበሉ

20. ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ እዩ።

21. ወዲ ሰብሲከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈይኸይድእቲወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድምሔሾ ነይሩ

22. ኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉባሪኹ ቘረሰንኣታቶም ከኣ፥ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሀቦም

23. ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሀቦምኵሎምውን ካብኡ ሰተዩ

24. ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ።

25. ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

26. መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ኸኣ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ

27. የሱስ ድማ፥ ነቲ ጓሳ እቐትሎ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይብላ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅሉኹም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም።

28. ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም።

29. ጴጥሮስ ድማ፥ ኵሎም እንተ ተዓንቀፉ እኳ፡ ኣነስ ኣይዕንቀፍን እየ፡ በሎ

30. የሱስ ድማ፥ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢለ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ

31. ሽዑ ንሱ፥ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነ እኳ፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ ኢሉ ኣዝዩ ኣጽኒዑ ተዛረበኵሎምውን ከምኡ በሉ

32. ጌተሰማኔ ናብ እትብሀል ቦታ መጹንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝጽሊኣብዚ ተቐመጡበሎም

33. ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ወሰደኪጕህን ኪትክዝን ጀመረ እሞ፥

34. ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ትጕሂ አላ፡ ኣብዚ ኹኑ ንቕሑውንበሎም

35. ቅሩብ ንቕድሚት ሕልፍ ኢሉ ኣብ ምድሪ ተደፍኤዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ሰዓት ካብኡ ኽትሐልፍ ጸለየ እሞ፣

36. ኣባኣቦይኵሉ ይከኣለካ እዩ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን፡ በለ

37. መጸደቂሶም ከኣ ረኸቦምንጴጥሮስ ድማ፥ ስምኦንደቂስካዶሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣልካን

38. ናብ ፈተና ኸይትኣትዉንቕሑ ጸልዩውንመንፈስሲ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡ በሎ።

39. ከም ብሓድሽ ከይዱ ድማ፡ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ

40. ተመሊሱ ኸኣ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ካልኣይ ደቂሶም ረኸቦም፡ እንታይ ከም ዚመልሱሉ ኸኣ ኣይፈልጡን ነበሩ።

41. ሳልሳይ መጺኡ ኸኣ፥ ደጊም ደቅሱን ዕረፉውንይኣክል፡ እታ ሰዓት በጺሓእንሆወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪትሓዝ እዩ።

42. ተንስኡ ንኺድ፡ እቲ ዜትሕዘኒ እንሆ፡ ቀሪቡ አሎ፡ በሎም።

43. ብኡብኡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደመጸ። ምስኡ ኸኣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትንኣስያፍ ኣባትርን ዝሐዙ እኩባት ህዝቢ መጹ።

44. እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞንሱ እዩ፡ ሐዝዎ ኣጽኒዕኩምውን ውሰድዎኢሉ መፈለጥታ ሃቦም

45. መጺኡ ድማ ብኡብኡ ናብኡ ቐሪቡረቢረቢኢሉ ሰዓሞ

46. ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ናብኡ ዘርጊሖም ሐዝዎ

47. ካብቶም ኣብ ጥቕኡ ደው ዝበሉ ሓደ ግና ሰይፉ መሊሑ፡ ነቲ ባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑእዝኑ ቘረጾ

48. የሱስ ድማከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ መጻእኩም

49. ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ዕለት ዕለት ምሳኻትኩም እውዕል ነበርኩ እሞ ኣይሐዝኩምንን። እዚ ግና እተን ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸማ ይኸውን አሎ፡ ኢሉ መለሰሎም።

50. ኵሎም ከኣ ሐዲጎምዎ ሃደሙ

51. ነጸላ እተኸድነ ጐበዝ ድማ ሰዓቦ፡ ንእኡ ኸኣ ሐዝዎ

52. ንሱ ግና ነጸላኡ ሐዲጉ ጥራይ ዝባኑ ሃደመ

53. ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎብዘለዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ

54. ጴጥሮስ ድማ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ውሽጢ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዓቦኣብኡ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ።

55. ሊቃውንቲ ኻህናትን ኵሎም ዋዕላን ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ደለዩኣይረኸቡን ከኣ።

56. ብዙሓት ብሓሶት መስከሩምስክሮም ግና ኣይተሳማምዔን

57. ሓያሎ ምስክር ሓሶት ድማ

58. ኣነ ነዛ ብኢድ እተገበረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጽ እየ፡ ኪብል ከሎ፡ ንሕና ሰሚዕናዮ፡ ዚብል ተንስእዎ።

59. ምስክሮም ከኣ ብዚውን ኣይገጠመን

60. እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ማእከሎም ብድድ ኢሉ፥ በዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉስ እኳዶ ኣይትምልስን ኢኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ሐተቶ

61. ንሱ ኸኣ ስቕ በለ እምበርኣይመለሰን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽዶ ንስኻ ኢኻ፧ ኢሉ ሓተቶ

62. የሱስ ድማ፥ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ በሎ

63. ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱደጊምከ እንታይ ግዲ ምስክር አሎና

64. ምጽራፉ ሰሚዕኩም። እንታይ ይመስለኩም፧ በለ። ኵሎም ከኣ፥ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም ፈረዱ

65. ሓያሎ ድማ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ገጹ ኣጐልቢቦም ኬጕስጥዎተነበውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ።

66. ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ገዛ ኸሎ፡ ካብ ኣግራድ ሊቀ ኻህናት ሓንቲ መጸት

67. ንጴጥሮስ፡ ሓዊ ኺስሕን ከሎ፡ ምስ ረአየቶ ኸኣ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ናዝራዊ ኔርካእናበለት ጠመተቶ።

68. ንሱ ግና፥ እዚ ንስኺ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን ኣየስተውዕሎንውን እየ፡ ኢሉ ኸሐደ። ካብ ገዛ ኸኣ ናብ ዓንቀጽ ወጸደርሆውን ነቀወ።

69. እታ ገረድ ረአየቶ፡ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ እዚ ኻባታቶም እዩ፡ ኢላ ኸም ብሓድሽ ክትነግሮም ጀመረት

70. ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሐደ። እቶም ደው ዝበሉ ቕሩብ ጽንሕ ኢሎም ንጴጥሮስገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻኣዛራርባኻውን ከምቲ ኣዛራርባኦም ይመስልበልዎ

71. ንሱ ግና፥ ነዚ እትብልዎ ዘሎኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ

72. ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወጴጥሮስ ከኣ ነቲ የሱስደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ነዚ ነገርዚ ሓሲቡ በኸየ