1. ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋን በዓል ቅጫን ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሐፍትን ብተንኰል ሒዞም ኪቐትልዎ ደለዩ።
2. ግናኸ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ኸይለዓልሲ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ።
3. ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።
4. ሓያሎ ብልቦም እናተናደዱ፥ ንምንታይ እዚ ጥፍኣት ቅዱይ ቅብኢ ዀነ፧
5. እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንዚበዝሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ኰረዩላ።
6. የሱስ ግና፥ ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧ ሕደግዋ፡ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ አላ።
7. ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም አለዉ፡ ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ፡ ይከአለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም።
8. ዚከኣላ ገበረት፡ ኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብኤት።
9. እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም፡ እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኩ፡ በለ።
10. ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ንእኡ ኣሕሊፉ ኺህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ።
11. ሰሚዖም ተሓጐሱ። ኣቕራሽ ኪህብዎ ኸኣ ኣውዐሉሉ። ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኺህቦም ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
12. በታ ገንሸል ፋስጋ ዚሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡ ደቀ መዛሙርቱ፥ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕ፡ ናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ።
13. ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ድማ፡ ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ንእኡ ስዓብዎ።
14. ኣብታ ዚኣትዋ ኸኣ ነቲ ብዓል ቤት፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧ ይብለካ አሎ መምህር፡ በልዎ።
15. ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና፡ በሎም።
16. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዱ፡ ናብታ ኸተማ ኸኣ መጹ፡ ከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ።
17. ምስ መሰየ፡ ንሱ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ።
18. ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ፥ ሓደ ኻባካትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕ፡ ኬትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በለ።
19. ኪጕህዩ ጀመሩ፡ በብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውን፧ በሉ።
20. ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ እዩ።
21. ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ፡ ይኸይድ። እቲ፡ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ፡ ምሔሾ ነይሩ።
22. ኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንኣታቶም ከኣ፥ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሀቦም።
23. ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሀቦም፡ ኵሎምውን ካብኡ ሰተዩ።
24. ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ።
25. ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
26. መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ኸኣ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ።
27. የሱስ ድማ፥ ነቲ ጓሳ እቐትሎ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይብላ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅሉኹም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም።
28. ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም።
29. ጴጥሮስ ድማ፥ ኵሎም እንተ ተዓንቀፉ እኳ፡ ኣነስ ኣይዕንቀፍን እየ፡ በሎ።
30. የሱስ ድማ፥ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢለ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።
31. ሽዑ ንሱ፥ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነ እኳ፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ ኢሉ ኣዝዩ ኣጽኒዑ ተዛረበ። ኵሎምውን ከምኡ በሉ።
32. ጌተሰማኔ ናብ እትብሀል ቦታ መጹ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም።
33. ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ወሰደ፡ ኪጕህን ኪትክዝን ጀመረ እሞ፥
34. ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ትጕሂ አላ፡ ኣብዚ ኹኑ ንቕሑውን፡ በሎም።
35. ቅሩብ ንቕድሚት ሕልፍ ኢሉ ኣብ ምድሪ ተደፍኤ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ሰዓት ካብኡ ኽትሐልፍ ጸለየ እሞ፣
36. ኣባ፡ ኣቦይ፡ ኵሉ ይከኣለካ እዩ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን፡ በለ።
37. መጸ፡ ደቂሶም ከኣ ረኸቦም፡ ንጴጥሮስ ድማ፥ ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ ሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣልካን፧
38. ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ንቕሑ ጸልዩውን። መንፈስሲ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡ በሎ።
39. ከም ብሓድሽ ከይዱ ድማ፡ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ።
40. ተመሊሱ ኸኣ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ካልኣይ ደቂሶም ረኸቦም፡ እንታይ ከም ዚመልሱሉ ኸኣ ኣይፈልጡን ነበሩ።
41. ሳልሳይ መጺኡ ኸኣ፥ ደጊም ደቅሱን ዕረፉውን። ይኣክል፡ እታ ሰዓት በጺሓ። እንሆ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪትሓዝ እዩ።
42. ተንስኡ ንኺድ፡ እቲ ዜትሕዘኒ እንሆ፡ ቀሪቡ አሎ፡ በሎም።
43. ብኡብኡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ኸኣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን፡ ኣስያፍ ኣባትርን ዝሐዙ እኩባት ህዝቢ መጹ።
44. እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ ኣጽኒዕኩምውን ውሰድዎ፡ ኢሉ መፈለጥታ ሃቦም።
45. መጺኡ ድማ ብኡብኡ ናብኡ ቐሪቡ፡ ረቢ፡ ረቢ፡ ኢሉ ሰዓሞ።
46. ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ናብኡ ዘርጊሖም ሐዝዎ።
47. ካብቶም ኣብ ጥቕኡ ደው ዝበሉ ሓደ ግና ሰይፉ መሊሑ፡ ነቲ ባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ እዝኑ ቘረጾ።
48. የሱስ ድማ፥ ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ መጻእኩም፧
49. ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ዕለት ዕለት ምሳኻትኩም እውዕል ነበርኩ እሞ ኣይሐዝኩምንን። እዚ ግና እተን ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸማ ይኸውን አሎ፡ ኢሉ መለሰሎም።
50. ኵሎም ከኣ ሐዲጎምዎ ሃደሙ።
51. ነጸላ እተኸድነ ጐበዝ ድማ ሰዓቦ፡ ንእኡ ኸኣ ሐዝዎ።
52. ንሱ ግና ነጸላኡ ሐዲጉ ጥራይ ዝባኑ ሃደመ።
53. ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። ብዘለዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ።
54. ጴጥሮስ ድማ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ውሽጢ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዓቦ። ኣብኡ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ።
55. ሊቃውንቲ ኻህናትን ኵሎም ዋዕላን ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ደለዩ፡ ኣይረኸቡን ከኣ።
56. ብዙሓት ብሓሶት መስከሩ፡ ምስክሮም ግና ኣይተሳማምዔን።
57. ሓያሎ ምስክር ሓሶት ድማ፥
58. ኣነ ነዛ ብኢድ እተገበረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጽ እየ፡ ኪብል ከሎ፡ ንሕና ሰሚዕናዮ፡ ዚብል ተንስእዎ።
59. ምስክሮም ከኣ ብዚውን ኣይገጠመን።
60. እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ማእከሎም ብድድ ኢሉ፥ በዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉስ እኳዶ ኣይትምልስን ኢኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ሐተቶ።
61. ንሱ ኸኣ ስቕ በለ እምበር፡ ኣይመለሰን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ፥ ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽዶ ንስኻ ኢኻ፧ ኢሉ ሓተቶ።
62. የሱስ ድማ፥ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ በሎ።
63. ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ፥ ደጊምከ እንታይ ግዲ ምስክር አሎና፧
64. ምጽራፉ ሰሚዕኩም። እንታይ ይመስለኩም፧ በለ። ኵሎም ከኣ፥ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም ፈረዱ።
65. ሓያሎ ድማ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ገጹ ኣጐልቢቦም ኬጕስጥዎ፡ ተነበውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ።
66. ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ገዛ ኸሎ፡ ካብ ኣግራድ ሊቀ ኻህናት ሓንቲ መጸት።
67. ንጴጥሮስ፡ ሓዊ ኺስሕን ከሎ፡ ምስ ረአየቶ ኸኣ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ናዝራዊ ኔርካ፡ እናበለት ጠመተቶ።
68. ንሱ ግና፥ እዚ ንስኺ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን ኣየስተውዕሎንውን እየ፡ ኢሉ ኸሐደ። ካብ ገዛ ኸኣ ናብ ዓንቀጽ ወጸ፡ ደርሆውን ነቀወ።
69. እታ ገረድ ረአየቶ፡ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ እዚ ኻባታቶም እዩ፡ ኢላ ኸም ብሓድሽ ክትነግሮም ጀመረት።
70. ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሐደ። እቶም ደው ዝበሉ ቕሩብ ጽንሕ ኢሎም ንጴጥሮስ፥ ገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ኣዛራርባኻውን ከምቲ ኣዛራርባኦም ይመስል፡ በልዎ።
71. ንሱ ግና፥ ነዚ እትብልዎ ዘሎኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ።
72. ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወ። ጴጥሮስ ከኣ ነቲ የሱስ፥ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ነዚ ነገርዚ ሓሲቡ በኸየ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...