1. ናብ የሩሳሌም፡ ናብ ቤት-ፋጌ፡ ናብ ቢታንያ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረበ ድማ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ

2. በሎምውን፥ ኣብ መንጽርኩም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ። ናብኣ ኽትኣትዉ ኸሎኹምብኡብኡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ

3. ገለ ሰብከመይከ እዚ ትገብሩ አሎኹም፧ እንተ በለኩምጐይታ ይደልዮ አሎ፡ ኢልኩም ንገርዎ። ንሱ ኸኣ ብኡብኡ ነጀው ኪሰዶ እዩ።

4. ከዱ፡ ነቲ ጻዕብ ድማ ኣብ ደገ ኣብ ጥቓ መገዲ ተኣሲሩ ረኸብዎ ፈትሕዎውን

5. ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ሓያሎ ኸኣ፥ ኣቱም ጻዕብ እትፈትሑ፡ እንታይ ትገብሩ አሎኹም፧ በልዎም

6. ከምታ የሱስ ዝበሎም በልዎምንሳቶም ከኣ ሐደግዎም

7. ነቲ ጻዕብ ከኣ ናብ የሱስ ወሰድዎክዳውንቶምውን ጠየቕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ተወጥሔ

8. ብዙሓት ድማ ኣብቲ መገዲ ኽዳውንቶም ኣንጸፉካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ ሰሊዖም ነስነሱ

9. ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ከኣ ዓው ኢሎም፥ ሆሳእናብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ።

10. እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ።

11. የሱስ ኣብ የሩሳሌም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወንዅሉ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶመስዩ ነበረ እሞ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ናብ ቢታንያ ወጸ

12. ንጽብሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኺወጹ ኸለዉ ጠመየ

13. ብርሑቕ ከኣ ቈጻል በለስ ረአየምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኺርኢ ኸኣ ናብኣ ኸደ። ናብኣ መጺኡ ኸኣ፡ ጊዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፡ ቈጽሊ እምበር፡ ገለ እኳ ኣይረኸበላን

14. መሊሱ ድማ፥ ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕበላደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ

15. ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ። ናብ ቤተ መቕደስ አትዩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ኰይኖም ዚሸጡን ዚሻየጡን ኬውጽኦም ጀመረሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ

16. ሓደ እኳ ኣቕሓ ጾይሩ በታ ቤተ መቕደስ ኪሐልፍ ኣይፈቐደን እሞ፥

17. ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሃልጽሑፍ ደይኰነን ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋኢሉውን መሃሮም

18. ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ድማ ሰምዑብዘሎ እቲ ህዝቢ ብምህሮኡ ስለ እተገረመ ኸኣ፡ ይፈርህዎ ነበሩ እሞ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ።

19. ምስ መሰየ ድማ፡ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወጸ

20. ንግሆ ኺሐልፉ ኸለዉ፡ ነታ በለስ ካብ ሱራ ነቒጻ ረኣይዋ

21. ጴጥሮስ ድማ ዘኪሩመምህርእንሃ፡ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻበሎ

22. የሱስ ድማ መለሰ በሎምውንብኣምላኽ እመኑ

23. ዝዀነ ይኩን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወልነዚ ኸረንተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

24. ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

25. ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሐድገልኩምኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ አሎኩምሕደጉሉ

26. ንስኻትኩም እንተ ዘይሐደግኩም ግና፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ድማ በደልኩም ኣይሐድገልኩምን እዩ።

27. ተመሊሶም ከኣ ናብ የሩሳሌም መጹ። ኣብ ቤት መቕደስ ኪመልላለስ ከሎሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን ናብኡ መጹ እሞ፡

28. በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር አሎኻ፡ ወይስ እዚ ንምግባር ዘሰልጠነካ መን እዩ፧ በልዎ

29. የሱስ ድማ፡ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም አሎኹምለሱለይ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ።

30. ጥምቀት ዮሃንስ ኻብ ሰማይ ድያ ወይስ ካብ ሰብ፧ እስኪ ምለሱለይ

31. ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎኪብለና እዩ።

32. ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ - ንዮሃንስ ኵሎም ብሓቂ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ነዚ ህዝቢ ፈርሁ

33. ንየሱስኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብርኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም