1. መጀመርታ ወንጌል ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ

2. ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ እንሆመገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ፡

3. ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡

4. ከምኡ ኸኣ ዮሃንስ ኣብ በረኻ እናኣጥመቐንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ እናሰበኸ መጸ።

5. ብዘላ ሃገር ይሁዳን ኵሎም ሰብ የሩሳሌምን ናብኡ ይወጹብሓጢኣቶም እናተናዘዙውን፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።

6. ክዳን ዮሃንስ ከኣ ጸጕሪ ገመልዕጣቕ ሕቝኡውን ፈልቍ ነበረ፡ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ይምገብ ነበረ።

7-8. ንሱ ኸኣ፡ ካባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ደኒነ ንምፍታሕ ስራኽ ኣሳእኑ ዘይበቅዕድደሕረይ ይመጽእ አሎ። ኣነ ብማይ ኤጥምቐኩም አሎኹ፡ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ፡ እናበለ ሰበኸ

9. በቲ ቕነ እቲ ዀነየሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ

10. ካብ ማይ ምስ ወጸብኡብኡ ሰማያት ኪኽፈታመንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኺወርድ ከሎ ረአየ

11. ካብ ሰማይ ከኣ፡ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺ መጸ

12. መንፈስ ከኣ ብኡብኡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ

13. ኣብቲ በረኻ ድማ፡ ሰይጣን እናፈተኖኣርብዓ መዓልቲ ጸንሔ። ምስ ኣራዊት ከኣ ነበረ፡ መላእኽቲውን ኣገልገልዎ

14-15. ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመመንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበትተነስሑ ብወንጌልውን እመኑእናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ

16. ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ኣብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣዮም

17. የሱስ ድማ፡ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዓቡኒበሎም

18. ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዓብዎ

19. ካብኡ ንእሽቶ ሕልፍ ኢሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን ኣብ ጃልባ መርበቦም ኬዕርዩ ኸለዉ ረኣዮም

20. ብኡብኡ ጸውዖምነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ግዙኣቱ ኣብ ጃልባ ሐዲጎም ሰዓብዎ

21. ኣብ ቅፍርናሆም ኣተዉብኡብኡ ኸኣ ብሰንበት ናብ ቤት ጸሎት አትዩ መሃረ

22. ከምቶም ጻሓፍቲ ዘይኰነስስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ በቲ ምህሮኡ ተገረሙ

23. ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ርኹስ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ ነበረ

24. ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝራዊምሳኻ እሞ እንታይ አሎናከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ አሎኹ፡ እናበለ ጨደረ

25. የሱስ ከኣ፡ ስቕ በልካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ

26. እቲ ርኹስ መንፈስ ከኣ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደረ ኸኣ ካብኡ ወጸ

27. ኵሎም ድማ፡ እንታይ እዩ እዚ፧ እዝስ እንታይ ሓድሽ ምህሮኡ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዙሉ አለዉ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚተሓታተቱ ሰምበዱ

28. ወሪኡ ድማ ብኡብኡ ናብ ኵላ ሃገር ገሊላ ወጸ

29. ካብ ቤት ጸሎት ወጺኡ ድማ፡ ብኡብኡ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወ

30. ሓማት ስምኦን ከኣ ዓሶ ሐሚማ ነበረት፡ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ

31. ንሱ ድማ ናብኣ ቐሪቡኢዳ ሒዙ ኣተንስኣብኡብኡ እቲ ዓሶ ሐደጋ፡ ንሳውን ኣገልገለቶም

32. ምስ መሰየጸሓይ ምስ ዓረበትሕማም ዘለዎምኣጋንንቲውን ዝሐደሮም ኵሎም ናብኡ ኣምጽኡ

33. ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ገበላ ተአከበት

34. ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕማም ዘለዎምብዙሓት ሕሙማት ከኣ ኣሕወየ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲውን ኣውጽኤ፡ እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ይፈልጥዎ ነበሩ እሞ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን

35. ኣንጊሁ ተንሲኡገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ

36. ስምኦንን እቶም ምስኡ ዘለውን ድማ ኪደልይዎ ኸዱ።

37. ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ኵሎም እምበር ይደልዩኻ አለዉ፡ በልዎ

38. ንሱ ድማ፡ ምእንትዚ እየ ወጺኤ ዘሎኹ እሞ፡ ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ፡ ንዑናይ ንኺድበሎም

39. ኣብ ቤት ጸሎቶም እናሰበኸ ኣጋንንቲውን እናእውጽኤ ኣብ ኵላ ሃገር ዞረ።

40. ሓደ ለምጻም ናብኡ መጸተምበርኪኹ ድማ፡ እንተ ትፈቱስከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ለመኖ

41. የሱስ ከኣ ደንገጸሉኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፡ ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህበሎ

42. እዚ ምስ በለ፡ እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሐደጎነጽሄ ኸኣ።

43-44. የሱስ ድማ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ክንዲ ዝነጻህካውን ንኣታቶም ምስክር ኪዀኖም፡ እቲ ሙሴ ዝአዘዞ መባእ ኣቕርብ እምበር፡ ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛሪቡ ሰደዶ

45. ንሱ ግና ወጺኡ ብዙሕ ኪሰብኽን ነቲ ነገር ኬውርዮን ጀመረየሱስ ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ጽምዊ ስፍራ ነበረ፡ ካብ ኵሉ ወገን ድማ ናብኡ ይመጹ ነበሩ እምበር፡ ብግልጺ ናብ ከተማ ኺኣቱ ኣይኰነሉን