1. እንሆ፣ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ አሎኹ፣ ንሱ ቐቅድመይ መገዲ ኺጸርግ እዩ። ብኡብኡ ኸኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፣ እቲ እትናፍቕዎ መልኣኽ ቃል ኪዳን እንሆ፣ ይመጽእ አሎ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

2. ግናኸ ንሱ ከም ናይ ኰላዒ ሓውን ከም ናይ ሓጻቢ ሳሙናን እዩ እሞ፡ ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ይጽመማ፧ ንሱ ኺግለጽ ከሎስ፡ መን ይቐውም

3. ንሱ ኸኣ ነቲ ብሩር ኪዅልዕን ኬጽርን ኪቕመጥ እዩ። ንደቂ ሌዊ ኼጽርዮም፣ ከም ወርቅን ብሩርን ከኣ ኪዅልዖም እዩ፣ ንሳቶምውን ንእግዚኣብሄር መሳዋእቲ ብጽድቂ ኺስውእሉ እዮም።

4. ሽዑ መስዋኣቲ ይሁዳን የሩሳሌምን፣ ከምቲ በተን መዓልትታት ጥንትን በተን ናይ ቀደም ዓመታትን ዝዀነ፣ ንእግዚኣብሄር ባህ ኬብሎ እዩ።

5. ኣነ ንፍርዲ ክቐርበኩም እየ፣ ኣንጻር ኣስማተኛታትን ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን ነቲ በዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምጽዎን ንመበለትን ዘኽታምን ዚገፍዕዎምን ንስደተኛ መሰሉ ዚጠውዩሉን ንኣይ ከኣ ዘይፈርሁን ቅልጡፍ ምስክር ክዀኖም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

6. ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፣ ኣቱም ደቂ ያእቆብል ስለዚ ኣይጠፋእኩምን

7. ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚርኩም ካብ ስርዓተይ ኣግለስኩም ኣይሐለኹምዎን ከኣ። ናባይ ተመለሱ፡ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ንስኻትኩም ግና፡ ብምንታይ እሞ ኢና፧ በልኩም

8. ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ሰሪቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ፧ ከኣ ትብሉብዕሽርን ብመባእን ኢኹም።

9. ንስኻትኩም፣ ህዝቢ ብምሏትኩም ሰሪቕኩምኒ ኢኹም እሞ፣ ብመርገም ተረገምኩም

10. ኣብ ቤተት ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩምበረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

11. ስሌኹም ኢለ ነቲ ወሓጢ ኽገንሖ እየ፣ ንሱ ኸኣ ንፍረ ምድርኹም ኣይኬጥፍኦን እዩ እቲ ተኽሊ ወይንኹም ኣብ ግራት ኣይኪቘልዕን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

12. ምድሪ ሓጐስ ክትኰኑ ኢኹም እሞ፣ ኵሎም ኣህዛብ ብጹኣን ኪብሉኹም እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

13. ቃላትኩም በርትዓኒይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ኣንጻርካ እሞ እንታይ ተዛሪብናትብሉ አሎኹም።

14. ንስኻትኩምውን፡ ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ፡ ስርዓቱ ዝሐሎና ኣብ ቅድሚ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ ክሊ ተኸዲንና እተመላለስናስ እንታይ ረባሕናበልኩም

15. እምብኣርሲ ነቶም ዕቡያት ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና፣ እወ፣ እቶም ገበርቲ ረሲእነት ይህነጹ፣ እወ፣ ንኣምላኽ ፈተንዎ ኣምለጡ ኸኣ።

16. ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡእግዚኣቢሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፍርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ

17. በታ ኣነ ዚገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ እዮም። ኣነ ኸኣ፣ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎክንሕፎም እየ።

18. ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ፍልልልይ ክትርእዩ ኢኹም።