1. ካብ ማእከል ሰብ እተወልደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ መባእን ሕሩድን ስለ ሓጢኣት ምእንቲ ኺስውእ፡ ብናይ ኣምላኽ ነገር ስለ ሰብ እዩ ዚሽየም

2. ንርእሱ ኸኣ ድኻም ስለ ዝጠበቖነቶም ደናቝርትን እተጋገዩን ኪድንግጸሎም ዚኽእል እዩ፡

3. ስለዚ ድማ ከምቲ ምእንቲ ህዝቢ፡ ከምኡውን ምእንቲ ርእሱ ስለ ሓጢኣት ኪስውእ ተገብኦ

4. ከም ኣሮንብኣምላኽ እተጸውዔ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደ እኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ።

5. ከምኡውን እቲ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻዝበሎ ኣኽብሮ እምበር፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ርእሱ ኣየኽበረን

6. ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልክጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ከም ዚብል

7. ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበንብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን

8. ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ

9-10. ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ካህናት ተሰምዩፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ኵላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም

11. ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር እንብሎ ነይሩናስንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ትርጉሙ ጭንቂ እዩ።

12. ከም ምንዋሕ ዘመንስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ።

13. ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን።

14. ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።