1. ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ

2. ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት

3. ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ

4. ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን

5-6. እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየእግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ አሎኹም።

7. ቅጽዓት እንተ ተዓገስኩምኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ

8. ብዘይ እታ ዅሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን

9. ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮምብህይወት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ፧

10. እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑናንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና።

11. ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።

12. ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዚብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወን

13. እቲ ዚሕንክስ ኪሐዊ እምበር፡ ካብ መገዲ ምእንቲ ኸይወጽእሲነእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ

14. ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኵሉ ሰብን ስዓብወን

15. ሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድልንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር በቝሉ ኸየጨንቐኩምተጠንቀቑ

16. ከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፡ ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን፡ ተጠንቀቑ።

17. ንሱውን ጸኒሑ እኳ በረኸት ኪወርስ እንተ ደለየብንብዓት እናደለያ ኽነሱስንንስሓ ስፍራ ኣይረኸበን እሞ፡ ከም እተደርበየትፈልጡ ኢኹም።

18. ንስኻትኩምሲ ናብቲ ብኢድ ዚትንከን ብሓዊ ዚነድድን ከረን፡ ናብ ጣቓን ጸልማትን ህርህርን

19. ናብ ቃና መለኸትን ናብቲ እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዑ ወሲኹ ኸይዛረቦም ዝለመኑሉ ድምጺ ቓልን ኣይበጻሕኩምን።

20. ንሳቶም፡ እንስሳ እኳ ነቲ ኸረን እንተ ተንከየ፡ ብዳርባ እምኒ ይሙት፡ ዚብል ትእዛዝ ኪጸርዎ ኣይተኻእሎምን

21. ሙሴ እኳ፡ እፈርህን እምብድበድን አሎኹ፡ ክሳዕ ዚብል፡ እቲ ትርኢቱ ክሳዕ ክንድዚ ዜፍርህ ነበረ።

22. ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌም ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡

23. ናብ ጉባኤ ዅሉ፡ ናብ ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዅራት፡ ናብ ኣምላኽ ፈራድ ኵሉ፡ ናብ መናፍስቲ እቶም ፍጹማን ጻድቃንን

24. ናብ የሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሔሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም አሎኹም።

25. እቲኣቶም፡ ኣብ ምድሪ ክዛረቦም ከሎ፡ አብዮም ካብ ዘየምልጡስ፡ ንሕና ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ዝባንና ኻብ እንመልሰሉ ግዳ፡ ከመይ ኢልና ኸነምልጥ፧ ስለዚ ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ኸይትኣብይዎ ተጠንቀቑ።

26. ሽዑ ድምጹ ንምድሪ ኣንቀጥቀጣሕጂ ግና፡ ሓደ ጊዜ ደጊመ ንሰማይ ከም ዜንቀጥቅጥ ክገብሮ እየ እምበርንምድሪ ጥራይ ኣይኰንኩንኡሊ ተስፋ ይህብ።

27. እዛ፡ ሓደ ጊዜ ደጊመ፡ ምባል ከኣ፡ እቲ ዘየንቀጥቅጥ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ እቲ ዜንቀጥቅጥ ፍጡር ስለ ዝዀነ ምልዋጡ እያ እተመልክት ዘላ።

28-29. ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።