1. በታ መዓልቲ እቲኣንጉስ ኣሓሽዌሮስ ቤት ሃማን እቲ ጸላእ ኣይሁድ ንንግስቲ ኣስቴር ሀባ። ኣስቴር ንሱ ንእኣ እንታይ ምዃኑ ነገረቶ እሞ፡ ማርዶካይ ናብ ቅድሚ ንጉስ አተወ

2. ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማን ዝወሰዶ ቐልቤቱ ኣውጺኡ ንማርካዶይ ሀቦኣስቴር ድማ ንማርዶካይ ኣብ ልዕሊ ቤት ሃማን ሸመቶ

3. ኣስቴር ድማ ከም ብሓድሽ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተዛረበትክፍኣት ሃማን ኣጋጋዊ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ እተጣበቦ ጥበቡ ምእንቲ ኼፍርስ ከአ፡ ኣብ እግሩ ወዲቓ እነበኸየት ለመነቶ

4. ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣስቴር እታ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሓላ። ኣስቴር ከአ ተንሲኣ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት፡

5. በለት ከአ፡ ንጉስ እንተ ደኣ ፈትዩስ፡ ኣብ ቅድሚኡውን ሞገስ እንተ ረኺበእዚ ነገር እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ጽቡቕ ኮይኑ እንተ ተራእየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ኣዒንቱ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፡ ሃማንወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ ነቶም ኣብ ኵሉ ሃገራት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ኬጥፍእ አሚሙ ዝጸሐፈን ደብዳቤታት ኪልወጣ ይጸሓፍ

6. ኣነ ኸመይ ገይረ እቲ ናብ ህዝበይ ዚመጽእ መከራ ኽርኢ እኽእል፧ ከመይ ገይረስ ጥፍኣት ወለዶይ ክርኢ እኽእል፧ በለት።

7. ሽዑ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ኣስቴርን ንማርዶካይ ኣይሁዳውን፡ እንሆ ቤት ሃማን ንኣስቴር ሂበያ አሎኹ፡ ንእኡ ድማ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ስለ ዝዘርግሔ፡ ናብ ጉንዲ ሰቐልዎ

8. እቲ ብስም ንጉስ እተጻሕፈን ብቐለቤት ንጉስ እተሐትመን ኣይልወጥን እዩ እሞ፡ ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ብዛዕባ ኣይሁድ ንኣኻትኩም ቅኑዕ ኮይኑ እተራእየኩም ብስም ንጉስ ጽሐፉ፡ ብቐለቤት ንጉስ ከአ ሕተምዎ በለ።

9. በታ ጊዜ እቲኣ ብሳልሰይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸኣ ወርሒ ሲዋን፡ ብመበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ ተጸውዑ። ከምቲ ማርዶካይ ዝአዘዞ ዅሉ ዘረባ፡ ናይ ኣይሁድን ናብ ሹማምትን ናብ ገዛእትን ናብቶም ሓላቑ ሃገራትን፡ ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገርበብሃገር ከከም ኣጸሓሕፋኡሄህዝቢ ኸኣ በብዘረባኡንኣይሁድ ድማ ከም ኣጸሓሕፍኦምን ከም ዘረባኦምን ጸሐፈሎም

10. ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከአ ጸሐፎበቀለቤት ንጉስ ድማ ሐተሞ። ነዚ መልእኽቲውን ኣብ ፈጣን ፈረስን ኣብ ሰጋራት ኣባቕልን ኣብ ባዝራ ፈረስን እተወጥሑ ገይሩ ሰደዶ

11. ኣብኡ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኩለን ከተማታት ዘለዉ ኣይሁድ ኪእከቡ እሞ ንህይወቶም ኪከላኸሉላ፡ ነቶም ሓደጋ ዚወድቅዎም ናይ ኵሉ ህዝብን ሃገርን ሰራዊት ምስናይ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኬጥፍእዎምን ኪቐትልዎምን ኪድምስስዎምን ገንዘቦም ኪዘምቱን ፈቐደሎም

12. ብሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ በመብል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር እያ፡ ብመበል ዓሰርተው ሰለስተ መዓልቲ።

13. ኣይሁድ ከአ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንጸላእቶም ሕነ ኺፈድዩ ኺዳለውስቅዳሕ እቲ ጽሕፈት ኣብ ኩለን ሃገራት ትእዛዝ ክወሀብ፡ ንኹሎም ህዝብታት ተነግረ

14. እቶም ኣፍራስን ኣባቕልን እተወጥሐ ፈጣናይ ልኡኻት ብትእዛዝ ንጉስ ብሃወኽ ወጹ፡ እቲ ትእዛዝ ድማ ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ተወህበ

15. ማርዶካይ ድማ ሰማያውን ጻዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፡ ዓብዩ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፡ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ ቐይሕን ጻዕዳን ተወንዚፉ። ካብ ቅድሚ ንጉስ ወጸከተማ ሱሳን ከአ እልል እነበለት ተሐጎሰት።

16. ንኣይሁድ ብርሃንን ሓጐስን ደስታን ክብረትን ኮነ።

17. ኣብ ኩለን ሃገራትን ኣብ ኩለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበጽሖ ዘበለ ቦታ ንኣይሁድ ሓጐስን ደስታን መብልዕን መስተን ጽቡቕ መዓልትን ኮነ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸኣ፡ ፍርሃት ኣይሁድ ስለ ዝወደቖም፡ ብዙሓት ኣይሁድ ኮነ።