1. ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም

2. ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር

3. ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ።

4. ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም

5. ኣቱም ግዙኣትነቶም ብስጋ ጐይቶትኩምሲ ብፍርሃት ብምንቅጥቃጥን፡ ብገርህነት ልብኹም ከም ንክርስቶስ ጌርኩም፡ ተኣዘዝዎም

6. ከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርኤ ኣይኰነን

7. ንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ

8. ባርያ ዀነ ጭዋ ዀነነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ ኻብ ጐይታ ኸም ዚቕበሎፍለጡ

9. ኣቱም ጐይተትውንከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉ እሞ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዜልቦ ፈሊጥኩምምፍርራህ ሕደጉ

10. ብዝተረፈስኣሕዋተይብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ

11-12. እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ

13. ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ

14. ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ

15. ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ።

16. ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ

17. ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውንማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ።

18. ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ

19. ምእንታይውን፡ ኣፈይ ምስ ከፈትኩስ፡ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ኪውሃበኒ

20. ብዛዕባይ ብመቝሕ እተኣሰርኩ ልኡኽ እየ እሞከም ዚግብኣኒ ዀይነ ንምዝራብ ብእኡ ኽተብዕ፡ ጸልዩለይ።

21. ግናኸ ንስኻትኩም ህልዋተይ ከመይ ከም ዘሎኹ ምእንቲ ኽትፈልጡትኪቆስ፡ እቲ ፍቁር ሓወይን ብጐይታውን እሙን ኣገልጋልንኵሉ ኺነግረኩም እዩ።

22. ወሬና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹም ኪጸናናዕን እየ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ

23. ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ነሕዋት ይኹን

24. ምስቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሐልፍ ዜፍቅርዎ ዅሎም ጸጋ ይኹን

Chap 5