1. ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።
2-3. መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ አላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።
4. ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።
5. ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡
6. ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ።
7. ንስኻትኩምውን፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ቀደም ብእኡ ትመላለሱ ኔርኩም።
8. ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።
9-10. ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።
11. ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባርን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን።
12. እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ።
13. ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።
14. ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ።
15. ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ።
16. ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።
17. ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።
18. ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።
19. ኣቱም ሰብኡት፡ ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን።
20. ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።
21. ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።
22. ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ፡ ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራህኩም ተኣዘዝዎም።
23-24. ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
25. እቲ ዝዓመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፡ ኣድልዎ ገጽውን የብሉን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...