1. እግዚእብሄር ኣምላክ እዚ ኣርኣየኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ብሱል ፍረ ዝመልኤ ኸፈር።
2. ንሱ ኸኣ፣ ኣሞጽ እንታይ ትርኢ አሎኻ፡ በለ፣ ኣነ ድማ፣ ብሱል ፍረ ዝመልኤ ኸፈር፣ በልኩ። እግዚኣብሄርውን፣ ንህዝበይ እስራኤል መወዳኣታ መጾም፣ ደጊም ድሕርዚ ኣይክሐልፎምን እየ፣ በለኒ።
3. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ መዝሙር ኣዳራሽሲ ብኽያት ይኸውን፣ ሬሳታት ይበዝሑ፣ ኣብ ኵሉ ቦታ ድማ ይድርበዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
4-6. ኣቱም ኤፋ እናኣንኣስና፣ ሲቃል እናወሰኽና ሚዛን እናጠበርና፣ እኽልሊ ኽንሸይጥሲ፣ ሰርቂ ወርሒ መኣዝ ኰን ይሐልፍ፡ ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፣ ሰንበት መኣዝ ኰን ትሐልፍ፡ ነቲ ድኻ ብብሩር፣ ነቲ መስኪን ከኣ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ኽንሻየጦ፣ ጕርዲ ስርናይውን ክንሸይጥ ኢና፣ እትብሉ፣ ንስኻትኩም ነቲ መስኪን ክትውሕጥዎ፣ ነቶም ሽጉራት እታ ሃገርውን ከተጥፍኡ እትደልዩ፣ እዚ ምስ ሰምዑ።
7. እግዚኣብሄር፣ ኣነ ንዅሎም ግብሮም ከቶ ኣይርስዖን እየ፣ ኢሉ ብኽብሪ ያእቆብ መሐለ።
8. እታ ሃገር በዚ ምኽንያት ኣዚዶ ኣይተንቀጥቅጥን፡ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ኵላቶምከ ኣይሐዝኑንዶ፡ ንሳ ብዘላ ኸምቲ ወሓዚ ኽትለዐል፣ ከምቲ ርባ ግብጺ ድማ በለቕ በለቕ ክትብልን ለጠቕ ክትብልን እያ።
9. በታ መዓልቲ ኣቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ቀትሪ ኸሎ ንጸሓይ ከዕርባ፣ ኣብ ድሙቕ መዓልቲውን ንምድሪ ኸጸልምታ እየ።
10. ንባዕላትኩም ድማ ናብ ሓዘን፣ ንዅሉ መዝሙርኩም ከኣ ናብ ቍዝማ ኽልውጦ እየል ኵሉ ጐድኒ ኽሊ ኸም ዚኽደን፣ ኵሉ ርእሲ ድማ ከም ዚላጸ ኽግብር እየ። ከም ሓዘን ብሓደ ውሉድን መወዳኣታኡውን ከም መራር መዓልትን ክገብር እየ።
11. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፣ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን።
12. ካብ ባሕሪ ናብ ባሕሪ፣ ካብ ሰሜን ናብ ምብራቕ ይዅብልሉ፣ ቃል እግዚኣብሄር ኪደልዩስ ናብዝን ናብትን ይጐዩ፣ ኣይረኽብዎን ከኣ።
13. በታ መዓልቲ ኣቲኣ እተ ጽቡቓት ደናግልን እቶም ኣጕባዝን ብጽምኢ የሕለልዉ።
14. እቶም ብሓጢኣት ሰማርያ ዚምሕሉ እሞ፣ ኣታ ዳን፣ ኣምላኽካ ህያው እዩ፣ መገሲ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ህያው እዩ፣ ዚብሉ ይወድቁ፣ መሊሶምውን ኣይትንስኡን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...