1. እግዚእብሄር ኣምላክ እዚ ኣርኣየኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ብሱል ፍረ ዝመልኤ ኸፈር

2. ንሱ ኸኣ፣ ኣሞጽ እንታይ ትርኢ አሎኻ፡ በለ፣ ኣነ ድማ፣ ብሱል ፍረ ዝመልኤ ኸፈርበልኩእግዚኣብሄርውንንህዝበይ እስራኤል መወዳኣታ መጾምደጊም ድሕርዚ ኣይክሐልፎምን እየ፣ በለኒ

3. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ መዝሙር ኣዳራሽሲ ብኽያት ይኸውን፣ ሬሳታት ይበዝሑ፣ ኣብ ኵሉ ቦታ ድማ ይድርበዩይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

4-6. ኣቱም ኤፋ እናኣንኣስናሲቃል እናወሰኽና ሚዛን እናጠበርናእኽልሊ ኽንሸይጥሲሰርቂ ወርሒ መኣዝ ኰን ይሐልፍ፡ ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከሰንበት መኣዝ ኰን ትሐልፍ፡ ነቲ ድኻ ብብሩር፣ ነቲ መስኪን ከኣ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ኽንሻየጦጕርዲ ስርናይውን ክንሸይጥ ኢና፣ እትብሉ፣ ንስኻትኩም ነቲ መስኪን ክትውሕጥዎ፣ ነቶም ሽጉራት እታ ሃገርውን ከተጥፍኡ እትደልዩ፣ እዚ ምስ ሰምዑ

7. እግዚኣብሄር፣ ኣነ ንዅሎም ግብሮም ከቶ ኣይርስዖን እየ፣ ኢሉ ብኽብሪ ያእቆብ መሐለ

8. እታ ሃገር በዚ ምኽንያት ኣዚዶ ኣይተንቀጥቅጥን፡ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ኵላቶምከ ኣይሐዝኑንዶ፡ ንሳ ብዘላ ኸምቲ ወሓዚ ኽትለዐል፣ ከምቲ ርባ ግብጺ ድማ በለቕ በለቕ ክትብልን ለጠቕ ክትብልን እያ።

9. በታ መዓልቲ ኣቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽቀትሪ ኸሎ ንጸሓይ ከዕርባ፣ ኣብ ድሙቕ መዓልቲውን ንምድሪ ኸጸልምታ እየ።

10. ንባዕላትኩም ድማ ናብ ሓዘን፣ ንዅሉ መዝሙርኩም ከኣ ናብ ቍዝማ ኽልውጦ እየል ኵሉ ጐድኒ ኽሊ ኸም ዚኽደን፣ ኵሉ ርእሲ ድማ ከም ዚላጸ ኽግብር እየ። ከም ሓዘን ብሓደ ውሉድን መወዳኣታኡውን ከም መራር መዓልትን ክገብር እየ።

11. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፣ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን።

12. ካብ ባሕሪ ናብ ባሕሪ፣ ካብ ሰሜን ናብ ምብራቕ ይዅብልሉቃል እግዚኣብሄር ኪደልዩስ ናብዝን ናብትን ይጐዩ፣ ኣይረኽብዎን ከኣ።

13. በታ መዓልቲ ኣቲኣ እተ ጽቡቓት ደናግልን እቶም ኣጕባዝን ብጽምኢ የሕለልዉ

14. እቶም ብሓጢኣት ሰማርያ ዚምሕሉ እሞ፣ ኣታ ዳንኣምላኽካ ህያው እዩ፣ መገሲ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ህያው እዩ፣ ዚብሉ ይወድቁ፣ መሊሶምውን ኣይትንስኡን