1. ኣትን ኣብ ከረን ሰማርያ እትነብራ ኣሓ ባሳን፣ ንድኻታት እትጠቕዓ ንመስኪን ከኣ እተጨንቓ፣ ንጐይተትክን፣ ኣምጽኡ፣ ንስተ፣ እትብላ፣ እዚ ቓል እዚ ስምዓ፣
2. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብቕድስናኡ መሐለ፡ እንሆ፡ እተን ንስኻትክን ብዓንቃሪቦ፡ እቶም ካባኽን ዝተረፉ ድማ ብመቝለብ ዓሳ እትስሐባለን መዓልትታት ኪመጻኽን እየን።
3. ንስካትክን ነፍሲ ወከፍክን በቲ ፍሩስትኽ ኢልክን ኣብ ቀቅድሜኽን ክትወጻ፣ ናብ ሃርሞን ከኣ ክትድርበያ ኢኽን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
4. ናብ ቤት-ኤል ንዑ እሞ ኣብሱ፣ ናብ ጊልጋልውን ኣበሳ ኣብዝሑ። ንግሆ መስዋእትኹም፣ ኣብ ሰሳልስቲ ኸኣ ዕሽርኩም ኣቕርቡ።
5. ኣቱም ደቂ እስራኤል፣ ከምዚ ኽትገብሩ ፈቲኹም ኢኹም እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ኻብ ዝበዅዔ ኣቕርቡ፣ ናብ ፍቓድ ህያብ ከኣ ኣውጁ ኣውርዩውን፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
6. ኣነ ድማ ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ጽሩይ ስኒ ሀብኩኹም፣ ኣብ ኵለን ስፍራታትኩም ከኣ እንጌራ ኣስኣንኩኹም፣ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
7. ኣነውን ንዓጺድ ገና ሰለስተ ወርሒ ተሪፍዋ ኸሎ፣ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፣ ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብታ ሓንቲ ኽፍሊ ዘነመ፣ እታ ዘይዘነማ ኽፍሊ ሀጐጐት።
8. ክልተ፣ ሰለስተ ኸተማ ድማ ማይ ኪሰትያ ናብ ሓንቲ ኸተማ ኸዳ እሞ ኣይረወያን። ንስካትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
9. ብሃጕን ብዋግን ወቓዕኩኹም፣ ነቲ ብዙሕ ኣታኽልትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን በለሳውትኹምን ኣዋልዕኩምን ኣንበጣ በልዖ። ንስካትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
10. ኣነ፣ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝዀነ፣ ፌራ ሰደድኩልኩም፣ ነጕባዝኩም ብሰይፊ ቐተልክዎም፣ ነፍራስኩም ማረኽክዎም፣ ነቲ ናይ ሰፈርኩም ብድብድ ናይ ኣፍንጫኹም ኣደየብክዎ፣ ንስካትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
11. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ዝገልበጠን፣ ገልበጥኩኹም፣ ንስካትኩም ከኣ ካብ ሓዊ ኸም እተመንጠለ እያድ ኰንኩም። ግናኸ ንስካትኩምሲ ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
12. ስለዚ ኣታ እስራኤል፡ ከምዚ ኽገብረካ እየ። እዚ ኽገብረካ እየ እሞ፡ ኣታ እስራኤል፡ ንኣምላኽካ ኽትቃባበሎ ተዳሎ።
13. እንሆ፡ እቲ ኣኽራን ዚሰርሕ፡ ንፋስ ከኣ ዚፈጥር፡ ንሰብ ድማ ሓሳቡ እንታይ ከም ዝዀነ ዚገልጸሉ፡ እቲ ንወጋሕታ ጸልማት ዚገብር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪውን ረግጽ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...