1. ኣቱም ደቂ እስራኤል፣ ነቲ ኣንጻርኩም፣ ኣንጻር እቲ ኣነ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎ ዅሉ ዓሌት፣ እዚ እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል፣ ስምዑ። ከምዚ ይብል ኣሎ፤
2. ኣነ ካብ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኹም ፈለጥኩኹም፡ ስለዚ ብሰሪ ኣበሳኹም ክቐጽዓኩም እየ።
3. ክልተ ሰብ እንተ ዘይተሳማምዑስ፣ ብሓደዶ ይመላለሱ እዮም፡
4. ኣንበሳኸ ግዳይ እንተ ዜብሊዶ ኣብ ዱር ይጓዝም እዩ፡ ሽደን ኣንበሳስ ገለ ኸይሐዘዶ ኻብ ጕድጓድ ይድሂ እዩ፡
5. ዑፍከ ዚፈንጥራ ኣብ ዜብሉስ ኣብ ዜብሉስ ኣብ ምድሪዶ ብመፈንጠራ ትተሐዝ እያ፡ መፈንጠራዶኸ ገለ ኸይሐዘ ኻብ ምድሪ ይለዐል እዩ፡
6. መለኸት ኣብ ከተማ ተነፊሑስ፣ ህዝቢዶ ኣይፈርህን እዩ፡ እግዚኣብሄር ከይገብሮኸ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ፡
7. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢር ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም፣ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ።
8. ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተዛሪቡኸ መን እዩ ዘይንበ፡
9. ኣብ ኣዳራሻት ኣሽዶድን ኣብ ኣዳራሻት ሃገር ግብጽን ከኣ፣ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ሰማርያ ተኣከቡ፣ ነቲ ኣብ ማእከላ ዘሎ ዓብዪ ዕግርግርን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዓመጻን ጠምቱ፣ ኢልኹም ኣውጁ።
10. እቶም ኣብ ኣዳራሻቶም ዓመጻን ዘረፋን ዚድልቡ ቕኑዕ ምግባር ኣይፈልጡን እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር።
11. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ጸላኢ ኣብ ዘርያ እታ ሃገር አሎ፣ ንሱ ንሓይልኺ ኻባኺ የውርድ፣ ኣዳራሻትኪውን ይብዝብዝ፣ ይብል አሎ።
12. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ጓሳ ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኽልተ እግሪ ወይስ ሓንቲ ጭራም እዝኒ ኸም ዜድሕን፣ ከምኡ እቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ኵርናዕ ዓራትን ኣብ ምንጻፍ ደማስቆን ተቐሚጦም ዘለዉ ደቂ እስራኤል ኪድሕኑ እዮም።
13. ስምዑ፣ ኣንጻር ቤት ያእቆብ ከኣ መስክሩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ሰራዊት።
14. በታ ኣነ ንእስራኤል ብሰሪ ምግሃሱ ክቐጽዓላ መዓልትስ ንመሰውኢታት ቤት-ኤልውን ክቐጽዖ እየ። እቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኪቝረጽን ኣብ ምድሪ ኺወድቕን እዩ።
15. ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ክወቕዔን እየ፣ እቲ ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሔ ኣባይቲ ኺጠፍእ፣ እቲ ዓበይቲውን ኪድምሰስ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...