1. ቃላት ኣሞጽ፣ እቲ ኻብ ጓሶት ተቆዓ ዝነበረ፣ ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓምወዲ ዮኣስ ንጉስ እስራኤልን ቅድሚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኽልተ ዓመት ብዛዕባ እስራኤል ዝረኣዮ

2. በለውንእግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም፣ ካብ የሩሳሌም ከኣ ድምጺ የስምዕ። እቲ ጓሶት ዚጓስዩሉ ይሐዝንርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅጽ

3. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ንጊልዓድ ብሓጺን መኼዳ ኣኺዶምዋ እዮም እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ደማስቆ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።

4. ኣነ ናብ ቤት ሃዛኤል ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ንኣደራሻት ቤን ሃዳድ ከኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ።

5. ንመሃርሃሪ ደማስቆ ኽሰብሮ፣ ነቶም ኣብኡ ዚነብሩ ድማ ካብ ለሰ ኣዌን፣ ነቲ ዘንጊ ዚሕዝ ከኣ ካብ ቤት ኤድን ከጽንቶም እየ፣ ህዝቢ ሶርያውያን ተማሪኹ ናብ ቂር ኪኸይድ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር

6. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ናብ ኢድ ኤዶም ኣሕሊፎም ኪህብዎምሲንዅሎም ምርኮ ማሪኾምዎም እዮ እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ጋዛ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይኪመልስን እየ።

7. ኣነ ናብ ቀጽሪ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ንኣደራሻታ ኸኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ።

8. ነቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኻብ ኣሽዶድ፣ ነቲ ዘንጊ ዝሕዝ ድማ ካብ ኣስቃሎን ከጽንቶም እየ፣ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዔቅሮን ክመልስ እየ፣ እቶም ዝተረፉ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኪጠፍኡ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

9. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ነቶም ምሩኻት ብሙልኣቶም ናብ ኢድ ኤዶም ኣሕሊፎም ሂቦምዎምንኺዳን ኣሕዋት ከኣ ኣይዘከርዎን እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ጢሮስ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።

10. ኣነ ናብ ቀጽሪ ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ነቲ ኣደራሻታ ኸኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ።

11. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ንሓዉ ብሰይፊ ሰጒጕዎስ፣ ኵሉ ምሕረት ከኣ ዐጽዩኵራኡ ድማ ኵሉ ጊዜ ቐዳዲዱነድሩውን ንሓዋሩ እዩ እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ኤዶም፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።

12. ኣነ ናብ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ነቲ ኣደራሽ ቦጽራ ኸኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ።

13. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ዶቦም ምእንቲ ኺግፍሑስ፣ ነተን ጥኑሳት ጊልዓድ ከብደን ቀዲዶምወን እዮም እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ደቂ ዓሞን፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣትክመልስን እየ።

14. ኣነ ኣብ ቀጽሪ ራባ ሓዊ ኽኣጉድ እየ፣ ነቲ ኣደራሻታ ኸኣ ብመዓልቲ ውግእ ኣብ ማእከል ጭድርታ፣ ብመዓልቲ ህውከት ኣብ ማእከል ህቦብላ ሞዅ ኬብሎ እየ።

15. ንጉሶም ድማ፣ ንሱ ምስ መሳፍንቱተማሪኹ ኪኸይድ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር