1. ጳውሎስከም እታ ተስፋ ናይታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘላ ህይወትብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ፡

2. ናብ ጢሞቴዎስ ፍቁር ወደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ጸጋምሕረትሰላም ምሳኻ ይኹን።

3-5. እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሐደረት እምነት እናዘከርኩ፡- ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ አሎኹ- ንብዓትካ ዘኪረብታሕጓስ ምእንቲ ኸመልእሲክርእየካ እናናፈቕኩብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ኻብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ ኤመስግኖ አሎኹ።

6-7. በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።

8. ደጊም ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ጽገብ እምበር፡ ብምስክር ጐይታና ወይስ ብኣይ ብእሱር ኣይትሕፈር

9. ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሐነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር፡ ብግብርና ኣይኰነን።

10. ሕጂ ግና ብምግሃድ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ተገልጸ፡ ንሱ ንሞት ዝሰዓሮንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ዘውጽኦ

11. ነዚ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን መምህር ኣህዛብ ክኸውን ተሸምኩ

12. ብምኽንያቱውን እየ እዚ ሓሳር እዚ ዝጸግብ ዘሎኹ፡ ግናኸ ብመን ከም ዝኣመንኩ እፈልጥ እየ፡ ነቲ ገንዘብ ሕድሪውን ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ምሕላዉ ኸም ዚከአሎ ተረዲኤዮ አሎኹ እሞ፡ ኣይሐፍርን እየ።

13. ነቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ጥዑይ ቃል ከኣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕር ንምሳሌ ሐዞ

14. ነቲ እተቐበልካዮ ጽቡቕ ሕድሪ በቲ ኣባና ሐዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሐልዎ

15. እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዅላቶምካባታቶም ከኣ ፍጌሎስን ህርሞጌኔስን፡ ከም ዝኸድዑኒ፡ እዚ ትፈልጥ አሎኻ።

16-17. ኦኔሲፎሮስ ናብ ሮሜ መጺኡኣዝዩ ደለየንን ረኸበንንብዙሕ ሳዕ ኣፈሽሒዉለይ፡ በቲ መቝሔይውን ኣይሐፈረን እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤቱ ምሕረት ይሃብ

18. በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ኺረክብእግዚኣብሄር ይሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፡ ካባይ ዚበልጽ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።