1. ስምኦን ጴጥሮስ፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ባርያን ሃዋርያን፡ ናብቶም ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት ብጽድቂ ኣምላኽናን ብመድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን እተመቕሉ

2. ብፍልጠት ኣምላኽናን ጐይታና የሱስን ኣባኻትኩም ጸጋን ሰላም ይብዛሕ

3. እቲ ብፍልጠት ክብሩን ደግነቱን ዝጸውዓና ኣምላኻዊ ሓይሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን ዚኸውን ኵሉ ኻብ ዚህበና

4. ብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩምተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ

5. ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት

6. ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር

7. ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ

8. እዚ ነገርዚ እንተ አሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

9. እቲ እዚ ነገርዚ ዜብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዔዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርኢ እዩ።

10. ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትናንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉእዚ እንተ ገበርኩምሲከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም።

11. ከምኡውን ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሀበኩም እዩ።

12. ስለዚ ምንም እኳ እንተ ፈለጥኩምዎ፡ ኣብቲ ዘሎኩም ሓቂውን እንተ ጸናዕኩም፡ ነዚ ነገርዚ ኵሉ ጊዜ ኸዘክረኩም ሓሳበይ እዩ።

13-14. ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝገለጸለይ ከኣ፡ እቲ ምቕንጣጥ ድንኳነይ ቀልጢፉ ኸም ዚኸውን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣብዚ ድንኳን እዚ ኽሳዕ ዘሎኹ፡ ብምዝካር ከንቅሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርኣየኒ አሎ።

15. ግናኸ ድሕሪ ስንብታይ ከኣ ኵሉ ጊዜ ነዚ ኽትዝክርዎ ኢለ እጽዕር አሎኹ።

16. ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና፡ ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር፡ እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን

17. ካብቲ ግኑን ግርማ ኽብሪ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ምስ መጸ፡ ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ

18. ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ፡ ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና።

19. ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉሰናይ ትገብሩ አሎኹም።

20. ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ከም ዘይኰነቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ

21. ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን