1-2. ኣካይያ ካብ ዓሚ ጀሚራ ኸም እተዳለወትን ብኣኻትኩም ኣብ መቄዶናውያን ዝሕበነሉ ፍቓድ ልብኹምን ቅንኣትኩምን ንብዙሓት ሰብ ከም ዝሰሐለትን፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ነቶም ቅዱሳንሲ ኽጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ።
3. ትምክሕትና ብኣካትኩም በዚ ተግባር እዚ ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን ግና፡ ከምቲ ዝበልክዎ፡ ተዳሊኹም ክትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም አሎኹ።
4. እንተ ዘይኰነስ፡ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጹ፡ ከይተዳሎኹም እንተ ረኸቡኹም፦ ንስኻትኩም ከይንብልሲ፦ ንሕና በዚ እሙንቶና ኸይንሐፍር ኢለ ለኣክክዎም።
5. እምብኣርሲ ነቲ ቕድም ዘተስፈኩምዎ በረኸት፡ ንሱ ኸም ብቂ ዘይኰነስ፡ ከም በረኸት ተዳልዩ ኺጸንሕ፡ ነቶም ኣሕዋት ቅድሚት ናባኻትኩም ሐሊፎም ኬዳልዉ ኽምዕዶም ብግዲ ዀነኒ።
6. ግናኸ እዚ እብል አሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ።
7. ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡
8-9. ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሀበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዚብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዅሉ ዅሉ ሳዕ ዚአከል ኵሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዅሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባካትኩም ጸብለል ኬብል ይከአሎ እዩ፡
10. ግናኸ እቲ ንዘራኢ፡ ዘርእን ምግቢ ዚኸውን እንጌራ ዚዕድል፡ ንሱ ዘርእኹም ኪዕድለኩምን ኬበርክተልኩምን፡ ንፍረ ጽድቕኹምውን ኬብቍሎን እዩ፡
11. ንስካትኩም ከኣ ብዅሉ በቲ ብኣታትና ገይሩ ንኣምላኽ ምስጋና ዚዓዪ ልግሲ ኽትህብትሙ ኢኹም።
12. እቲ ኣገልግሎት እዚ ግብሪ እዚ ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል ይብል እምበር፡ ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ጥራይ ኣይኰነን ዚምልእ፡
13. ንሳቶም ብምጽራይ እዚ ኣገልግሎት እዚ ንምእማን ወንጌል ክርስቶስ ስለ እተገዛእኩም፡ ስለቲ ንኣታቶምን ንዅሉን ዚኸውን ልግሲ ሐገዝኩም ንኣምላኽ የመስግኑ እዮም።
14. ንሳቶምውን ስለቲ ኣባካትኩም ዘሎ ማእለያ ዜብሉ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታኻትኩም እናጸለዩ ይናፍቑኹም እዮም።
15. ስለቲ ዘይንገር ውህበት ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...