1-2. ኣካይያ ካብ ዓሚ ጀሚራ ኸም እተዳለወትን ብኣኻትኩም ኣብ መቄዶናውያን ዝሕበነሉ ፍቓድ ልብኹምን ቅንኣትኩምን ንብዙሓት ሰብ ከም ዝሰሐለትንእፈልጥ እየ እሞ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ነቶም ቅዱሳንሲ ኽጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ

3. ትምክሕትና ብኣካትኩም በዚ ተግባር እዚ ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን ግና፡ ከምቲ ዝበልክዎተዳሊኹም ክትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም አሎኹ።

4. እንተ ዘይኰነስ፡ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጹከይተዳሎኹም እንተ ረኸቡኹም፦ ንስኻትኩም ከይንብልሲንሕና በዚ እሙንቶና ኸይንሐፍር ኢለ ለኣክክዎም

5. እምብኣርሲ ነቲ ቕድም ዘተስፈኩምዎ በረኸት፡ ንሱ ኸም ብቂ ዘይኰነስከም በረኸት ተዳልዩ ኺጸንሕ፡ ነቶም ኣሕዋት ቅድሚት ናባኻትኩም ሐሊፎም ኬዳልዉ ኽምዕዶም ብግዲ ዀነኒ።

6. ግናኸ እዚ እብል አሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ

7. ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ

8-9. ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሀበጽድቁ ንዘለኣለም ይነብርዚብሎኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዅሉ ዅሉ ሳዕ ዚአከል ኵሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዅሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባካትኩም ጸብለል ኬብል ይከአሎ እዩ፡

10. ግናኸ እቲ ንዘራኢዘርእን ምግቢ ዚኸውን እንጌራ ዚዕድል፡ ንሱ ዘርእኹም ኪዕድለኩምን ኬበርክተልኩምንንፍረ ጽድቕኹምውን ኬብቍሎን እዩ፡

11. ንስካትኩም ከኣ ብዅሉ በቲ ብኣታትና ገይሩ ንኣምላኽ ምስጋና ዚዓዪ ልግሲ ኽትህብትሙ ኢኹም።

12. እቲ ኣገልግሎት እዚ ግብሪ እዚ ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል ይብል እምበር፡ ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ጥራይ ኣይኰነን ዚምልእ

13. ንሳቶም ብምጽራይ እዚ ኣገልግሎት እዚ ንምእማን ወንጌል ክርስቶስ ስለ እተገዛእኩም፡ ስለቲ ንኣታቶምን ንዅሉን ዚኸውን ልግሲ ሐገዝኩም ንኣምላኽ የመስግኑ እዮም።

14. ንሳቶምውን ስለቲ ኣባካትኩም ዘሎ ማእለያ ዜብሉ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታኻትኩም እናጸለዩ ይናፍቑኹም እዮም።

15. ስለቲ ዘይንገር ውህበት ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።