1. ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉንሕና መዓይይቲ ዄንና፡ ንምዕደኩም አሎና

2. ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻይብል እዩ እሞ፡ እንሆ፡ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።

3. ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍንሓደ እኳ ብገለ መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና።

4. ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ አሎና እምበር፡ ብብዙሕ ትዕግስቲብመከራብጭንቀት፡ ብጸበባ፡

5. ብመውቃዕቲብማእሰርቲብጋሮብጻዕሪብምንቃሕብጾም

6. ብንጽህናብፍልጠትብዓቕሊብለውሃትብቕዱስ መንፈስተጒላባ ብዜብላ ፍቕሪ

7. ብቓል ሓቂብስልጣን ኣምላኽበጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም

8. ብኽብርን ሕስራንንብኽፉእ ወረን ጽቡቕ ወረንከም መስሓትቲ፡ ግናኸ ሰብ ሓቂ ኢና፡

9. ከም ዘይተፈለጥና፡ ግናኸ ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና፡ ከም ዝሞትናእንሆ ኸኣ፡ ህያዋን ኢና፡ ከም ቅጹዓት፡ ንሞት ግና ኣይተወፌናን፡

10. ከም ጕሁያት፡ ግናኸ ኵሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፡ ከም ድኻታትንብዙሓት ግና ነጸጉ ኢና፡ ኵሉ ኸሎናስ፡ ሓንቲ ኸም ዜብሎም ኴንና ንርኤ አሎና።

11. ኣቱም ሰብ ቈረንቶስኣፍና ንኣካትኩም ክፉት እዩ፡ ልብናውን ገፍሔ

12. ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝጸበኩም እምበር፡ ኣባናስ ኣይጸበኩምን እዩ።

13. ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱከም ንውሉደይ ዝዛረብ ኰይነ እዛረብ አሎኹ፦ ንስኻትኩምውን ልብኹም ኣግፍሑ

14. ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧

15. ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ አለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ አለዎ፧

16. ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና።

17. ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

18. ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ