1. ኣነ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ገጽን ያኢ ዝትሑት፡ ምስ ረሓቕኩ ግና ኣባካትኩም ዝተባዕ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብዓቕሊ ክርስቶስን ብለውሃቱን እምዕደኩም አሎኹ፡

2. ግናኸ ኣብቶም ንሕና ኸም ስጋ ኸም እንመላለስ ዚቘጽሩና ገሊኣቶም፡ በቲ ምሳካትኩም ኰይነ ኽደፍሮም ኢለ ዝህቅኖ እሙንቶ ኽደፍር ግዲ ኸይኰነኒ እልምነኩም አሎኹ።

3. ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና።

4. ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን

5. ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።

6. ምእዛዝኩም ስለ ተፈጸመውን፡ ነቲ ዘይምእዛዝ ዘበለ ኵሉ ኽንቀጾዖ ተዳሊና አሎና።

7. ንስኻትኩምሲ ኣብ ቅድሚ ገጽኩም ዘሎ ትጥምቱሓደ እኳ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን እንተ ዀነ፡ ከምቲ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ከም ዚኸውን፡ ንሕናውን ከምኡ ኸም ዘሎና፡ ከም ብሓድሽ ብርእሱ የስተብህል

8. በቲ ጐይታ ንምህናጽኩም እምበር፡ ንምፍራስኩም ዘኰነ ዝሃበና ስልጣን እኳ ኣብሊጸ እንተ ተመካሕኩ፡ ኣነ በዚ ኣይሐፍርን እየ።

9-10. ገለ ሰብ፥ እተን ደብዳቤታቱ ኸበድትን ጽኑዓትን እየን፡ ባዕሉ ምሳና ኸሎ ግና ድኹም እዩ፡ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ በተን ደብዳቤታተይ ከስምብደኩም ከም ዝደሌኹ ኸይመስል እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።

11. እቲ ኸምዚ ዚብል፡ ከምቲ ኣብ ርሑቕ ከሎና ብቓል ደብዳቤታትናኣብኡ ኸሎናውን ብግብሪ ኸምኡ ምዃንና ይሕሰብ

12. ምስቶም ገለ፡ ባዕላቶም ንርእሶም ዚንእዱርእስና ኽንቘጽር ወይስ ከነመዓራሪ ኣይንደፍርን ኢና። ግናኽ ንሳቶም ባዕላቶም ብነፍሶም ርእሶም ካብ ዚልክዑ፡ ብነፍሶምውን ንርእሶም ካብ ዜመዓራርዩስኣእምሮ የብሎምን

13. ንሕና ግና፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እነርክብ እኳበቲ ኣምላኽ ዝሃበና ደረት መለክዒ መስፈር እምበር፡ ብዘይ ልክዕ ኣይንምካሕን ኢና።

14. ናባኻትኩም ከም ዘይበጻሕናስባዕላትና እምብዛ ኣይንማጣጠርን ኢና፡ ብወንጌል ክርስቶስሲ ኽሳዕ ናባካትኩም እኳ በጺሕና አሎና።

15. ብጻማ ኻልኦት ብዘይ ዓቐን ኣይንምካሕን ኢና እሞ፡ እምነትኩም እናዓበየት ምስ ከደት ግና፡ ከም ዓቕምና ንምውሳኽ ኣባኻትኩም ከም እንዓቢ ተስፋና እዩ።

16. ኣብቲ ኻልኦት ዘዳለውዎ ሰበኻ ኣቲና ኸይንምካሕሲ፡ ኣብቲ ኽንዮውኩም ዘሎ ሃገር ወንጌል ክንሰብኽ ኢና።

17-18. እቲ እግዚኣብሄር ዚንእዶ እምበር፡ እቲ ንርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ተፈቲኑ ዚወጽእ። ስለዚ እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ደኣ ይመካሕ