1. ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም።

2. ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን።

3. ነተን መበለታትብሓቂ መበለታት ዝዀና ኣኽብረን

4. ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለውዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሃሩ

5. እታ ንበይና እትነብር፡ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር እትገብር፡ ብሓቂ መበለት ዝዀነት ግና፡ ለይትን መዓልትን ብልማኖን ጸሎትን እያ እትጸንዕ

6. እታ ሕንቅቕቲ ግና፡ ብህይወታ ኸላስ ምውቲ እያ።

7. ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ኪዀኑስእዚ ድማ አዝዝ

8. ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

9-10. ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላውሉድ ዘዕበየትጋሻ እተቐበለትእግሪ ቅዱሳን ዝሐጸበትንዝጸበቦም ዘርሃወት፡ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዓበት፡ ካብ ስሳ ዓመት ዘይነኣሰትሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ከም መበለት ኰይና ትቈጸር

11. ሓያማት ግና ንክርስቶስ ተጻሪረን ፍትወት ስጋ ምስ ተላዕለን፡ ኪምርዓዋ እየን ዚደልያ እሞ፡ ንኣታተን ኣርሕቀን

12. ንሳተን፡ ነታ ቐዳማይቲ እምነተን ስለ ዝጠለማፍርዲ አለወን

13. ኣብ ልዕሊዝውን ቤተ ቤት እናዞራ ምብኳር ዕዮ እየን ዚምህራዘይግባእ እናተዛረባውን መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን ይዀና እምበር፡ ምብኳር ዕዮ ጥራይ ኣይኰናን።

14. እምብኣርሲ እተን ሓያማት ኪምርዓዋውሉድ ኪወልዳቤተን ኪሕዛጸላኢ ዘጸርፈሉ ሓደ ምኽንያት እኳ ኸይህባ፡ እደሊ አሎኹ።

15. ገሊኤንሲ ድሮ እኳ ዘምቢለንደድሕሪ ሰይጣን ስዒበን አለዋ።

16. ንሓደ ኣማኒ ወይስ ኣማኒትመበለታት እንተ ኣለዋኦም፡ ባዕላቶም ይሕለዩለን፡ ነተን ብሓቂ መበለታት ዝዀና ምእንቲ ኽትሐሊ፡ ነታ ማሕበር ኣየኽብዱላ

17-18. እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፥ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታትምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።

19. ብናይ ሽማግለ ኸኣ፡ ብምስክር ክልተ ወይ ሰለስተ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ክሲ ኣይትቀበል

20. ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩውን፡ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኺፈርሁ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም

21. ተቐዳዲምካ ኸይፈረድካን ሓንቲ እዃ በድልዎ ኸይገበርካን፡ እዚ ኽትሕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስን የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን ኤማሕጽነካ አሎኹ።

22. ብታህዋኽ ኣብ ሓደ እኳ ኢድካ ኣይተንብር፡ ኣብ ሓጢኣት ካልኦትውን ኣይትጸምበርንርእስኻ ብንጽህና ሐሉ

23. ደጊም ስለ ኽብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ

24. ሓጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ፡ ናብ ፍርዲ ኸኣ ይቕድሞም። ናይ ገሊኦም ግና ይስዕቦም እዩ።

25. ከምኡ ኸኣ እቲ ሰናይ ግብሪ ግሉጽ እዩ፡ እቲ ዘይግሉጽውን ኪስወር ኣይከኣሎን እዩ።