1-2. ብዝተረፈስኣሕዋተየብጐይታና የሱስ ኣየኖት ትእዛዛት ከም ዝሃብናኩምትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ኻባና እተቐበልኩምዎስ ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ንኣምላኽውን ከተሐጕሱ ኸም ዚግብኣኩም፡ ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ፡ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩምን ንምዕደኩምን አሎና

3. ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡

4-5. ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።

6-7. ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዅሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዚፈዲ ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን፡ ቀደም ከም ዝበልናኹምን ዝመስከርናልኩምንሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን

8. ስለዚ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንኣኻትኩም ድማ ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ።

9. ብናይ ፍቕሪ ሕውነት ግና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየኩምን እዩ።

10. እዚ ድማ ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዅላቶም ኣሕዋት ትገብርዎ አሎኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ኣዚኹም እናወስኽኩም ክትከዱንምዕደኩም አሎና።

11-12. ከምቲ ዝኣዘዝናኩም፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ኸይደሌኩም፡ ምስቶም ብወጻኢ ዘለዉ ብቕንዕና ምእንቲ ኽትመላለሱ፡ ክትሃድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩንበእዳውኩምውን ክትዓዩንሲ ክብረት ክትቈጽርዎ፡ ንምዕደኩም አሎና።

13. ግናኸ፡ ኣሕዋተየከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።

14. ማለት፡ የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ።

15. ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም አሎና

16. ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም።

17. ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።

18. ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጻናንዑ