1. ጴጥሮስ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢቲንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕሩያት

2. ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር ኣቦና ብቕድስና መንፈስ ንምእዛዝን ብደም የሱስ ክርስቶስን ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ

3-4. እቲ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ

5. ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም አሎኹም።

6-7. እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹምብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም።

8-9. ነዚ ኸይርኤኩምዎ እተፍቅርዎሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩምንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም።

10. እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ደለዩን መርመሩን፡

11. እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ብስቓይ ክርስቶስ በቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ቀዲሙ ኸም ዝመስከረነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘመን ከም ዘመልከተ እናመርመሩ፡

12. ንኣኻትኩም እምበርንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። እዚውን በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፡ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግርልኩምመላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም።

13. ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩምነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ።

14. ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ

15-16. ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።

17. ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ከከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ

18-19. ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩምከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸልብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገርብብሩር ወይስ ወርቂከም ዘይደሐንኩምትፈልጡ ኢኹም

20. ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ

21. ንስኻትኩም፡ እምነትኩምን ተስፋኹምን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኽብሪውን ዝሀቦ ኣምላኽ ኣሚንኩም አሎኹም።

22-23. ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብር ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበርካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩምንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ

24. ኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽእቲ ዕምባባውን ይረግፍ

25. ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።