1. ሰሎሞን ድማ ንቤቱ ብዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ሰርሓንብዘላ ቤቱ ኸኣ ፈጸማ

2. ቤት ዱር ሊባኖስ ድማ ሰርሔምንዋሓ ሚእቲ እመትምግፋሓ ኸኣ ሓምሳ እመት፡ ቊመታውን ሰላሳ እመት ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ መስሮ ኣዕኑድ ቄድሮስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዕኑድ ድማ ጽሩብ ኣግማል ቄድሮስ ገይሩ ሰርሓ።

3. እቲ ናሕሳ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓንዲ ዝነበረ ኣግማል ብቄድሮስ እተሰርሔ ናሕሲ ነበረ፡ እቲ ኣዕኑድ ከኣ ኣብ መመስርዕ ዓሰርተዉ ሓሙሽተ ነበረ።

4. ሰለስተ መስርዕ ዓይነ ርግቢ፡ መስኮት ኣብ መንጽር መስኮት ከኣ ኣብ ሰለስተ መስርዕ ነበረ።

5. ኲሉ ደጌታትን ልዳውትን ድማ ኣርባዕተ መኣዝን ነበረ፡ መስኮት ኣብ መንጽር መስኮት ከኣ ኣብ ሰለስተ መስርዕ ነበረ።

6. ገበላ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑሰላሳ እመት ዝምግፋሑ በዕኑድ ገይሩ ሰርሔ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ሓደ ገበላ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ኸኣ ኣዕኑድን መሳልልን ነበረ።

7. ድማ መጋባእያ ዚወጸሉ ገበላ ዝፋን፡ ንሱ ገበላ ፍርዲሰርሔ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ ናሕሲ ብሉሕ ተኸዲኑ ነበረ።

8. እታ ዚቕመጠላ ቤቱ ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መከበብያ ኣብ ውሽጢ እቲ ገበላ ዝነበረት ከምኡ ዀይና ተሰሪሓ ነበረት። ሰሎሞን ነታ ዘእተዋ ጓል ፈርኦን ከኣ ክምዚ ገበላ እዚ ዝበለት ቤት ሰርሓላ

9. እዚ ዂሉ ድማ ካብ መሰረት ክሳዕ እቲ ላዕላይ ወሰን፡ ብወጻኢ ኸኣ ክሳዕ እቲ ዓብዪ መካበብያ፡ በቲ ብልክዕ እተቘርጸብውሽጥን ብግዳምን ብመጋዝ እተመገዘ ኽቡር ኣእማን ተሰርሔ።

10. እቲ መሰረት ድማ ብኽቡር ኣእማንብዓበይቲ ኣእማን፡ ብዓሰርተ እመት ዝምንዋሑ ኣእማንን ሾሞንተ እመት ዝምንዋሑ ኣእማንን ተሰረተ።

11. ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ብልክዕ እተቘርጸ ኽቡር ኣእማንን ኦም ቄድሮስን ነበረ።

12. ነቲ ዓብዪ መካበብያ ድማ ብዙርያኡ ኸምቲ ናይ ውሽጢ መካበብያ ቤት እግዚኣብሄርን ከም ገበል እቲ ቤትንሰለስተ መስርዕ እተቘርጸ ኣእማንን ሓደ መስርዕ እተጸርበ ሉሕ ቄድሮስን ነበሮ።

13. ንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንሒራም ካብ ጢሮስ ኣምጽኦ

14. ንሱ ወዲ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኻብ ነገድ ንፍታሌም ነበረ። ኣቦኡ ኸኣ ብዓል ጢሮስኣንጠረኛ ኣስራዚ ነበረ። ንሱ ድማ ኲሉ ስራሕ ኣስራዚ ንምግባር ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን መሊእዎ ነበረ። ናብ ንጉስ ሰሎሞን መጺኡ ኸኣ፡ ዕዮኡ ዘበለ ገበረሉ

15. ንሱ ድማ ነቲ ዓሰርተው ሾሞንተ እመት ዝቚመቱ ኽልተ ዓንዲ እስራዚ ሰርሔ። ነናይ ሓደ ዓንዲ ዙርያ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ እመት ዝምንዋሁ ገመድ ገበረ።

16. ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ኪንበር ድማ ካብ ዝፈሰሰ ኣስራዚ ኽልተ ጒልላት ሰርሔቊመት እቲ ሓደ ጒልላት ሓሙሽተ እመትቊመት እቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ።

17. ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ድማ ከም ስራሕ መንፊት ዝበለ ዓይነ ርግብን ከም ስራሕ ሰንሰለት ዝበለ ትትዖን ነበሮ፡ ነቲ ሓደ ጒልላት ሾብዓተ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ሾብዓተ ነበሮ፡

18. ነቲ ኣዕኑድ ምስ ገበረ ድማ፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ኪኸድን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን ገበረ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላትውን ከምኡ ገበሮ

19. እቲ ኣብ ገበላ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን መሲሉ እተሰርሄ፡ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት ነበረ።

20. ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ኣዕኑድ ድማ ምስቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓይነ ርግቢ ዘሎ ኸብዲ ዝገጠመ ጒልላት ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ኣብ ዙርያኡ በብመስሮ ክልተ ሚእቲ ሮማን ነበረ።

21. ነቲ ኣዕኑድ ድማ ኣብ ገበላ እቲ መቕደስ ኣቘሞ። ነቲ የማናይ ዓንዲ ተኺሉ ኸኣ ስሙ ያኪን ኣውጽኣሉ፡ ነቲ ጸጋማይ ዕንዲ ድማ ስሙ ቦዓዝ ኣውጽኣሉ።

22. ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን ዝበለ ስራሕ ነበረ። በዚ ኸምዚ ዕዮ እቲ ኣዕኑድ ተፈጸመ

23. ናይ ፍሲ ባሕሪ ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓሰርተ እመት ዝምግፋሑ ብዙርያኡ ኸቢብ ገይሩ ሰርሔቊመቱ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ፡ ብዘሎ እቲ ዙርያኡ ድማ ስፍሩ ብሰላሳ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ነበረ፡

24. ኣብ ትሕቲ እቲ ወሰን ከኣ ብዙርያኡ ኣጒማ ኣዞረሉ፡ ብዙርያ እቲ ባሕሪ በብእመት ዓሰርተ ዀይኑ ይኸቦ ነበረ፡ እቲ ኣጒማ ኽልቲ መስርዕ ኰይኑ ምስኡ ብሓደ ፈሰሰ

25. ኣብ ልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ተነብረሰለስተ ንሰሜን ገጾምሰለስተ ድማ ንምዕራብ ገጾም፡ ሰለስተ ኸኣ ንደቡብ ገጾም፡ ሰለስተውን ንምብራቕ ገጾም ነበሩ። እቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። ናይ ኲሎም ድሕሪት ከኣ ንውሽጢ ኣቢሉ ነበረ።

26. ምርጓዱ ድማ ጋት ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራህ ወሰን ጽዋእ ከም ዝዐምበበ ሹሻን ነበር። ክልተ ሽሕ ባት ይሕዝ ነበረ።

27. ናይ ኣስራዚ ሰረት ከኣ ዓሰርተ ገበረሓደ ሰረት ድማ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመትምግፋሑ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ቊመቱውን ሰለስተ እመት ነበረ።

28. ኣሰራርሓ እቲ ሰረታት ድማ ከምዚ ነበረ፡ ክቡሳት ነበሮ፡ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ከኣ ክቡሳት ነበረ።

29. ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ዝነበረ ኽቡሳት ድማ ኣናብስን ኣብዑርን ኪሩቤልን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጋጠሚታት ከኣ ኣብ ላዕላዩ ኸምኡ ነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ኣናብስን ኣብዑርን ድማ ከም ትትዖ እተገብረ ቘጽሊ ተንጠልጢሉ ነበረ።

30. ንንሓደ ሰረት ከኣ ኣርባዕተ መንኰርኰር ኣስራዚ፡ ንእኡ ዚሕዝ ኣርዑት ኣስራዚ ድማ ነበሮ። ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ኸኣ መናኲብ ነበሮ፡ እቲ መናኵብ ምስቲ ኣብ ወወገኑ ዝነበረ ትትዖ ቘጽሊ ኣብ ትሕቲ እቲ ገበራ ዝፈሰሰ ነበረ።

31. ኣፉ ድማ ብውሽጢ እቲ ጒልላት፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሓደ እመት ነበረ፡ እቲ ኣፉ ኸኣ ከቢብ ከም ስራሕ እግሪ ዓንዲ፡ እመትን ፈረቓን ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣፉ ድማ ቅርጽታት ነበሮ፡ ክቡሳቱ ኸኣ ኣርባዕተ ጥርዚ ነበረ እምበር፡ ከቢብ ኣይነበረን

32. እቲ ኣርባዕተ መንኰርኰር ድማ ብትሕቲ እቲ ኽቡሳት ነበረ፡ መትሓዝ መንኰራዂር ከኣ ኣብቲ መቐመጢ ለጊቡ ነበረ፡ ነናይ ሓደ መንኰርኰ ቊመትውን እመትን ስድርን ነበረ።

33. ስራሕ እቲ መንኰራዂር ድማ ከም ስራሕ መንኰርኰር ሰረገላ ነበረ፡ መትሓዚኡን ዕንክሊሉን ቅትርቱን ሕምብርቱን ኲሉ ፍሲ ነበረ።

34. ነንሓደ ሰረት ከኣ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ኣርባዕተ መንኲብ ነበሮ፡ እቲ መንኲብ ምስቲ ሰረት ብሓደ ነበረ።

35. ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ድማ ብዙርያኡ ፈረቓ እመት ዝቚመቱ ኸቢብ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ከኣ እቲ መደገፊታቱን ክቡሳቱን ምስኡ ሓደ ነበረ።

36. ኣብ ገጽ እቲ መደገፊታቱን ኣብ ክቡሳቱን ከከም ስፍራኡ ብዙርያኡ ኪሩቤልን ኣናብስን ስየን ምስትትዖ ቘጽልን ቀረጸሉ

37. ከምዚ ነቲ ዓሰርተ መቐመጢ፡ ንዂሉ ምፍሳሱ ሓደልክዑ ሓደ፡ መልክዑ ሓደ ገይሩ መርሖ

38. ዕሰርተ ገበራ ኣስራዚ ድማ ሰርሔሓደ ገበራ ኣርብዓ ባት ይሕዝ ነበረ፡ እቲ ገበራታት ሓሓዲኡ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ነቲ ዓሰርተ ሰረትነንሓደ ሰረት ሓደ ገበራ ነበሮ።

39. ነቲ ሰረታት ድማ ሓሙሽተ ብወገን የማን እታ ቤትሓሙሽተ ኸኣ ብወገን ጸጋም እታ ቤት ኣንበሮ፡ ነቲ ባሕሪ ድማ ብወገን የማን እታ ቤት፡ ብምብራቕ ደቡብ ኣንበሮ

40. ሒራም ከኣ ገበራታትን መጽሓርያታትን ጭሔሎታትን ሰርሔ። በዚ ኸምዚ ሒራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ዂሉ ዕዮ ፈጸሞ

41. ነቲ ኽልተ ዓንድን ናይቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኽልተ ዓንዲ ዝነበረ ጒልላት ከበብትን፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ናይ ጒልላት ከበብቲ ዚኸድን ክልተ ክልተ ዓይነ ርግብን

42. ናይቲ ኽልተ ዓይነ ርግቢ ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኽልተ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት፡ ነቲ ኸበብቱ ዚኸድን ነንሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን፡

43. ድማ ነቲ ዓሰርተ ሰረትን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰረታት ዘሎ ዓሰርተ ገበራን

44. ነቲ ሓደ ባሕርን ነቶም ትሕቲ እቲ ባሕሪ ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን

45. ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን፡ እዚ ዂሉ ሒራም ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ኣቓሑ ኻብ ጽሩይ ኣስራዚ ነበረ።

46. እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኰትን ጻርታን፡ ኣብ መሬት ጥዑም ኣፍሰሶ

47. ሰሎሞን ድማ ንዂሉ ኣቓሑ ኻብ ኣዝዩ ምብዛሑ እተላዕለ ኸይመዘነ ሓደሆሚዛን እቲ ኣስራዚ ኸኣ ኣይተመርመረን

48. ሰሎሞን ከኣ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ዂሉ ኣቓሑ ሰርሔ፡ ናይ ወርቂ መሰውእን፡ ነቲ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ልዕሊኡ ዚንበሮ ሰደቓ ወርቅን

49. ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ዘሎ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ቐዋሚ ቐነዲልሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ብጸጋም፡ ነቲ ናይ ወርቂ ዕምባባታትን ቅልዒ ቐነዲልን መሳቐይታትን ከኣ፡

50. ነቲ ናይ ጽሩይ ወርቂ ጽዋኣትን ካራታትን ጭሔሎታትን ማንካታትን ጽንሃታትን ድማ፡ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ቤት፡ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓጹን፡ ናይ መቕደስ መዓጹን ወንድወንዶታት ወርቂ ኸኣ ሰርሔ።

51. እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝዐየዮ ዂሉ ዕዮ ኸኣ ተወድኤሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝቐደሶ፡ ነቲ ብሩርን ነቲ ወርቅን ነቲ ኣቓሑን ኣምጺኡ ኣብ መዛግብ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ