1. ኣብ መንጎ ሶርያን እስራኤልን ከኣ ውግእ ዜልቦ ሰለስተ ዓመት ተቐመጡ።

2. ኰነ ድማ፡ በታ ሳልሰይቲ ዓመት ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ እስራኤል ወረደ።

3. እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንገላዉኡ፡ ራሞት-ጊልዓድ ናትና ምዃናስ ትፈልጡዶ አሎኹም፡ ንእኣ ኻብ ኢድ ንጉስ ሶርያ ኸይንወስዳ ድማ ንሕና ስቕ ኢልናዶ አሎና፡ በሎም።

4. ንዮሳፋጥ ከኣ፡ ንራሞት-ጊልዓድ ክንዋጋኣስ፡ ምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል፡ ኣነ ኸማኻ እየ፡ ህዝበይ ከም ህዝብኻ፡ ኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካ እዮም፡ በሎ።

5. ዮሳፋጥ ከኣ ነቲ ንጉስ እስራኤል፡ ሎሚ ንቓል እግዚኣብሄር ክትሐትት፡ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ።

6. ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ነቶም ነብያት ኣርባዕተ ሚእቲ ዚአኽሉ ሰባት ኣኪቡ፡ ንራሞት-ጊልዓድ ክዋጋእዶ ክኸይድ ወይ ክተርፍ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ደይብ ደኣ፡ ጐይታ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ፡ በሉ።

7. ዮሳፋጥ ከኣ፡ ገናዶ እንሐቶ ነብዪ እግዚኣብሄር ኣብዚ የልቦን፡ በለ።

8. እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ ገና ሓደ ሰብኣይ፡ ሚክያስ ወዲ ዪምላ፡ ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንሐቶ እባ አሎ። ግናኸ ንሱ ኽፉእ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበየለይን እዩ እሞ፡ ኣነ እጸልኦ እየ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ከኣ፡ ንጉስ ከምኡ ኣይዛረብ፡ በለ።

9. ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ስሉብ ጸዊዑ፡ ንሚክያስ ወዲ ዪምላ ቐልጢፍካ ኣምጽኣዮ፡ በሎ።

10. እቲ ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ለልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ኣብ ዘዝፋኖም ተቐሚጦም ነበሩ። ኲላቶም እቶም ነብያት ድማ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኖም ይንበዩ ነበሩ።

11. ጸድቅያስ ወዲ ከናዓና ኸኣ ኣቕርንቲ ሓጺን ሰሪሑ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ንሶርያውያን ክሳዕ ዚውድኡ በዚአተን ክትወግኦም ኢኻ፡ በለ።

12. ኲሎም ነብያት ድማ ከምኡ፡ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደይብ፡ ኪቐንዓካ ኸኣ እየ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ፡ ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።

13. እቲ ንሚክያስ ኪጽውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከኣ፡ እንሆ፡ እቶም ነብያት ከም ሓደ ኣፍ ኰይኖም ነቲ ንጉስ ጽቡቕ ይዛረቡሉ አለዉ፡ ዘረባኻ ድማ፡ በጃኻ፡ ከም ዘረባ ሓደ ኻባታቶም ይኹን እሞ፡ ጽቡቕ ተዛረብ፡ ኢሉ ተዛረቦ።

14. ሚክያስ ግና፡ እቲ እግዚኣብሄር ዚብለኒ፡ ንእኡ ኸም ዝዛረብ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ።

15. ናብ ንጉስ ምስ መጸ ድማ እቲ ንጉስ፡ ኣታ ሚክያስ፡ ኬድናዶ ንራሞት-ጊልዓድ ክንዋግኣ፡ ወይስ ክንተርፍ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ደይብ፡ ኪቐንዓካ ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህበ እዩ፡ በሎ።

16. እቲ ንጉስ ድማ፡ ብስም እግዚኣብሄር ሓቂ ጥራይ እምበር፡ ካልእ ኣይትዛረበኒ። ኣነ ኽንደይ ሳዕ ከምሕለካ እየ፡ በሎ።

17. ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንብዘለዉ እስራኤል ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ርኤኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ፡ እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን፡ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቶም ይመለሱ፡ በለ።

18. እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፡ እዚ ንኣይ ክፉእ እምበር፡ ጽቡቕሲ ኣይንበየለይን እዩ ደይበልኩኻን፡ በሎ።

19. ሚክያስ ድማ በሎ፡ ስለዚ ቓል እግዚኣብሄር ስማዕ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ፡ ብዘሎ ሰራዊት ሰማይ ከኣ ብየማነ ጸጋሙ ቘይሙ ርኤኹ።

20. እግዚኣብሄር ድማ፡ ንአከኣብ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደዪቡ ኣብኣ ኺወድቕሲ፡ መን ይሐባብሎ፡ በሎ። ሓደ ኸምዚ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ከምቲ በለ።

21. ሽዑ ሓደ መንፈስ ወጸ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ፡ ኣነ ኽሐባብሎ፡ በለ።

22. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ብምንታይ ጌርካ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ወጺኤ ኣብ ኣፍ ኲሎም ነብያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንስኻስ ትሐባብሎም ኢኻ፡ ትኽእሎ ድማ፡ ወጺእካ ኸምኡ ግበር፡ በሎ።

23. ሕጂ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣፍ እዞም ኲሎም ነብያትካ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ሂብዎም አሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸኣ እግዚኣብሄር ክፉእ ተዛሪቡ አሎ።

24. ሽዑ ጸድቅያስ ወዲ ከናዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ኣብ ምንጋጋኡ ጸፍዖ፡ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄርሲ ንኣኻ ኺዛረብ ካባይ ዝሐለፈስ፡ ከመይ ኢሉ እዩ፡ ድማ በሎ።

25. ሚክያስ ከኣ፡ እንሆልካ፡ በታ ንምሕባእ ካብ ውሻጠስ ናብ ውሻጠ እትአትወላ መዓልቲ ኽትርኢ ኢኻ፡ በለ።

26. እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ በለ፡ ንሚክያስ ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን ናብ ዮኣስ ወዲ ንጉስን ምለሶ፡

27. በል ከኣ፡ ንጉስ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ፡ ነዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግበርዎ፡ እንጌራ መከራን ማይ መከራን ከኣ መግብዎ።

28. ሚክያስ ድማ፡ ርግጽ ብሰላም እንተ ተመለስካስ፡ እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን እዩ። ኣቱም ህዝቢ ዂላትኩም፡ ስምዑ፡ ከኣ በለ።

29. ከምኡ እቲ ንጉስ እስራኤልን፡ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደየቡ።

30. እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ ኣነ ትርኢተይ ለዊጠ ናብ ውግእ ክአቱ እየ፡ ንስኻ ግና ልብስኻ ተኸደን፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ትርኢቱ ለዊጡ ናብቲ ውግእ ኣተወ።

31. እቲ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ነቶም ሰላሳን ክልተን ሓላቑ ሰረገላታቱ፡ ንንጉስ እስራኤል ጥራይ ደኣ እምበር፡ ምስ ንእሽቶ ዀነ፡ ምስ ዓብዪ ዀነ ኣይትዋግኡ፡ ኢሉ ኣዘዞም።

32. ኰነ ድማ፡ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንዮሳፋጥ ምስ ረአይዎ፡ እዚ ርግጽ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ፡ በሉ፡ ኪዋግእዎ ኸኣ ናብኡ ኣግለሱ። ዮሳፋጥ ድማ ጨርሔ።

33. ኰነ ኸኣ፡ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኰነ ምስ ረአዩ፡ ካብ ምስጓጉ ተመለሱ።

34. ግናኸ ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትውረድ ሰደዳ እሞ፡ ነቲ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠሞ ድርዒ ወግኦ። ሽዑ ንሱ ነቲ ብዓል ሰረገላኡ፡ ተወጊኤ እየ እሞ፡ ኢድካ ምለሳ፡ ካብዚ ሰፈር ኣውጽኣኒ፡ በሎ።

35. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዔ፡ እቲ ንጉስ ከኣ ኣብ መንጽር ሶርያውያን ኰይኑ ኣብ ሰረገላኡ ደው ኢሉ ነበረ፡ ምሸት ድማ ሞተ። ደም እቲ መውጋእቱ ኸኣ ናብ ትሕቲ እቲ ሰረገላ ፈሰሰ።

36. ጸሓይ ክትዐርብ ከላ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ነናብ ሃገሩ ይመለስ፡ ዚብል ኣዋጅ በቲ ሰፈር ሐለፈ።

37. እቲ ንጉስ ድማ ሞተ፡ ናብ ሰማርያ ኸኣ ወሰድዎ፡ ነቲ ንጉስ ድማ ኣብ ሰማርያ ቐበርዎ።

38. ነቲ ሰረገላ ኸኣ ኣብ ሓጽቢ ሰማርያ ሐጸብዎ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ቓል ድማ፡ ነቲ ደሙ ኣኽላባት ለሐስዎ፡ ኣመናዝር ከኣ ኣብኡ ተሐጽባ።

39. እቲ ዝተረፈ ናይ ኣከኣብ ነገርን እቲ ዂሉ ዝገበሮን እታ ብስኒ ሓርማዝ ዝሰርሓ ቤትን እተን ዝሰርሔን ኲለን ከተማታት ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧

40. ኣከአብ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሓዝያ ነገሰ።

41. ዮሳፋጥ ወዲ ኣሳ ድማ ንአከኣብ ንጉስ እስራኤል ኣብ ራብዓይ ዓመቱ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።

42. ዮሳፋጥ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዓዙባ ነበረ፡ ንሳ ጓል ሺልሂ እያ።

43. ንሱ ብዂሉ መገዲ ኣቦኡ ኣሳ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝዀነ ምግባር ካብኡ ኣየግለሰን።

44. ነቲ በረኽቲ ግና ኣየርሐቕዎን፡ እቶም ህዝብስ ገና ኣብ በረኽቲ ደኣ ይስውኡን ይዐጥኑን ነበሩ።

45. ዮሳፋጥ ከኣ ምስ ንጉስ እስራኤል ሰላም ነበሮ።

46. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮሳፋጥ ነገርን እቲ ዝገበሮ መንፍዓቱን እቲ እተዋግኦን ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧

47. ነቶም ብዘመን ኣቦኡ ኣሳ ተሪፎም ዝነበሩ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝሩ ከኣ ካብታ ሃገር ኣጥፍኦም፡

48. ሽዑ ግና ኣብ ኤዶም ንጉስ ኣይነበረን፡ ምስለኔ እዩ ዚገዝእ ዝነበረ።

49. ዮሳፋጥ ድማ ናብ ኦፊር ከይደን ወርቂ ኼምጽኣ መራኽብ ተርሲስ ሰርሔ፡ ግናኸ እተን መራኽብ ኣብ ዔጽዮን-ጋበር ተሰብራ እምበር፡ ኣይከዳን።

50. ሽዑ ኣሓዝያ ወዲ ኣከኣብ ንዮሳፋጥ፡ ገላዎይ ምስ ገላዉኻ ብመራኽብ ይኺዱ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ግና ኣይፈተወን።

51. ዮሳፋጥ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም ነገሰ።

52. ኣሓዝያ ወዲ ኣከአብ ድማ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾቦኣተ ዓመቱ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ እሞ ክልተ ዓመት ኣብ እስራኤል ገዝኤ።

53. ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ ኣቦኡን ብመገዲ ኣዲኡን ብመገዲ እቲ ንእስራኤል ዘስሐተ የሮብዓም ወዲ ናባጥን ከደ።

54. ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዂሉ፡ ንበዓል ኣገልገለ ሰገደሉውን እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣዀረዮ።

Chap 21