1. ሓደ ኻብቶም ኣብ ጊልዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቲስቢታዊ ንአከአብበዘን ዓመታት እዚኣተንኣነ ኸይተዛረብኩኣውሊ ዀነ ወይ ዝናም ከይኸውን፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ፡ በሎ

2-3. ቃል እግዚኣብሄር ድማካብዚ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተሐባእ

4. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ካብቲ ርባ ኽትሰቲ ኢኻ፡ ኣብኡ ኺምግቡኻ ድማ ንኳዃት ኣዚዘ አሎኹ፡ ኢሉ መጾ።

5. ከይዱ ኸኣ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ገበረከይዱውን ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተቐመጠ

6. እቶም ኳዃት ድማ ብጊሓት እንጌራን ስጋን፡ ምሸትውን እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ነበሩ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ይሰቲ ነበረ።

7. ኰነ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዝናም ስለ ዘይዘነመ፡ ድሕሪ ሓያሎ ጊዜ እቲ ርባ ነጸፈ

8-9. ተንስእ እሞ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና ኺድ፡ ኣብኡውን ተቐመጥ። እንሆ፡ ኣብኣ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ አሎኹ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጾ

10. ተንሲኡ ኸኣ ናብ ሰራጵታ ኸደናብ ደገ እታ ኸተማ ምስ መጸ ድማ፡ እንሃ፡ ዕጨይቲ እትአሪ መበለት ሰበይቲ ኣብኡ ነበረት። ንእኣ ኸኣ ጸዊዑ፡ በጃኺ፡ ዝሰትዮ ሒደት ማይ ብቕሓ ጌርኪ ኣምጽእለይ፡ በላ።

11. ከተምጽእ ኢላ ምስ ከደት ድማ፡ በጃኺ፡ ኣብ ኢድኪ ቚራስ እንጌራ ተማልእለይ፡ ኢሉ ጸውዓ።

12. ንሳ ኸኣህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ፡ ኢለ ብጀካ ሸልገት ሓርጭ ኣብ ዕትሮሒደት ዘይት ኣብ መቐርሰሚቶእንጌራስ የብለይን፡ እኔኹ ኸኣ ክልተ ዕጨይቲ እአሪ አሎኹ፡ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እሞ በሊዕናዮስ ክንመውት ኢና፡ በለት።

13. ኤልያስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ ኪዲ፡ ከምቲ ዝበልክዮ ግበሪቅድም ግና ካብኡ ንኣይ ንእሽቶ ቕጫ ሰንኪትኪ ኣምጽእለይድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድክን ሰንክቲ።

14. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ እሞክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዜዝንመላ መዓልቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ ኣይውዳእን፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐድልን፡ በላ።

15. ከይዳ ኸኣ ከምቲ ኤልያስ ዝበላ ገበረትንሳን ንሱን ቤታን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ

16. ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብኤልያስ እተዛረቦ፡ እቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን

17. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ወድ እታ ሰበይቲ፡ እታ ብዓልቲ ቤትሐመመ። እቲ ሕማሙ ኸኣ ትንፋሱ ኽሳዕ ዚሰአን በርትዖ

18. ሽዑ ንሳ ንኤልያስ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንኣይን ንኣኻንሲ እንታይ ኣራኸበናሓጢኣተይ ከተዘክር ወደይውን ክትቀትል ኢኻ ዝመጻእካኒበለቶ

19. ንሱ ግና፡ ወድኺ ሀብኒበላካብ ሕቒፉ ወሲዳ ኸኣ ናብታ ዝነበረላ ደርቢ ኣደየቦ እሞ ኣብ ዓራቱ ኣደቀሶ

20. ሽዑ ንሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዛ ኣነ ምሳኣ ብግሽነት ዝነብር ዘሎኹ መበለት ወዳ ብምቕታልዶ ኽፉእ ገበርካያኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ

21. ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሳዕ በጥ ኢሉ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ነፍሲ እዚ ቘልዓ እዚ ናብ ውሽጡ ምለሳኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማለለ

22. እግዚኣብሄር ከኣ ደሃይ ኤልያስ ሰምዔነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመለሰት እሞ ህያው ኰነ

23. ኤልያስ ከኣ ነቲ ቘልዓ ወሲዱካብ ደርቢ እታ ቤት ኣውሪዱ ነዲኡ ሀባኤልያስ ድማርአዪወድኺ ሐውዩበለ

24. እታ ሰበይቲ ኸኣ ንኤልያስ፡ ንስኻ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከም ዝዀንካቃል እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍካ ሓቂ ኸም ዝዀነ፡ ሕጂ ፈለጥኩበለቶ