1. በቲ ዘመን እቲ ኣቢያ ወዲ የሮብዓም ሐመመ

2. የሮብዓም ድማ ንሰበይቱ፡ በጃኺ፡ ተንስኢ እሞ ሰበይቲ የሮብዓም ምዃንኪ ኸይትፍለጥስ፡ ክዳንኪ ለውጢ፡ ናብ ሺሎ ኸኣ ኪዲ። እንሆ፡ እቲ ብዛዕባይ ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዝነግስ እተዛረበ ነብዪ ኣሒያ ኣብኣ አሎ።

3. ዓሰርተ እንጌራን ሕምባሻን ንጽባ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኺዲ። ንሱ ነዚ ቘልዓ ዚኸውን ነገር ኪገልጸልኪ እዩ፡ በላ።

4. ሰበይቲ የሮብዓም ድማ ከምኡ ገበረትተንሲኣ ኸኣ ናብ ሺሎ ኸደት፡ ናብ ቤት ኣሒያውን አተወት። ኣሒያ ግና ኣዒንቱ ብእግርና ፈዚዘን ነበራ እሞ፡ ኪርኢ ኣይከአለን

5. እግዚኣብሄር ድማ ንኣሒያ፡ እንሃ ሰበይቲ የሮብዓም ብዛዕባ ወዳ፡ ንሱ ሓሚሙ እዩ እሞ፡ ክትጥይቐካ ትመጽእ አላ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ጋሻ ተመሲላ ኽትአቱ እያ እሞ፡ ከምዝን ከምዝን ኢልካ ተዛረባበሎ

6. ኰነ ኸኣ፡ ብደገ ኽትአቱ ኸላ፡ ኣሒያ ኣእጋራ ድግ ድግ ኪብል ምስ ሰምዔበለ፡ ኣቲ ሰበይቲ የሮብዓምእተዊ። ስለምንታይ ኢኺ ጋሻ እትመስሊ፡ ኣነ ድማ ከቢድ ነገር ክነግረኪ ናባኺ ተላኢኸ አሎኹ።

7. ኪዲ እሞ ንየሮብዓም በልዮእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ካብ ማእከል ህዝቢ ልዕሊ ኣቢለ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ገበርኩኻ

8. መንግስቲ ድማ ካብ ቤት ዳዊት ቀዲደ ሀብኩኻ። ንስኻ ግና፡ ከምቲ ትእዛዛተይ ዝሐለወ ኣብ ቅድመይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ጥራይ ኪገብርብምሉእ ልቡ ዝሰዐበኒ፡ ከም ባርያይ ዳዊት ኣይኰንካን።

9. ክፉእ ንምግባር ደኣ ኻብቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ዂሎም ገደድካ፡ ከተዀርየኒ ድማ ኬድካ ኻልኦት ኣማልኽትን ዝፈሰሰ ምስልታትን ገበርካ፡ ንኣይ ግና ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቤኻኒ

10. ስለዚ እንሆ፡ ንቤት የሮብዓም ክፉእ ከምጽኣላ እየ፡ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኰነ፡ ፍቱሕ ኰነ ድማ ካብ ቤት የሮብዓም ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ዚሸይን ዘበለ ኸጽንት እየ። ፋንድያ ኸም ዚዂስተር ገይረ ኸኣ ንቤት የሮብዓም፡ ፈጺማ ኽሳዕ እትጠፍእ፡ ክዂስትራ እየ።

11. እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ነቲ ኻብ የሮቦኣም ኣብ ከተማ ዝሞተኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ኣብ መሮር ንዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪበልዓኦ እየን።

12. ንስኺ ተንሲእኪ ንቤትኪ ኺዲ እሞ፡ እግርኺ ናብ ከተማ ክትአቱ ኸላ፡ እቲ ቘሎኣ ኺመውት እዩ።

13. ኣብ ቤት የሮብዓም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ጽቡቕ ነገር ኣብኡ ስለ እተረኽበ፡ ካብ የሮብዓም እዚ ጥራይ ኣብ መቓብር ኪአቱ እዩ እሞ፡ ንእኡ ብዘለዉ እስራኤል እናበኸዩ ኪቐብርዎ እዮም።

14. እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዚዀኖ ኼተንስእ እዩ፡ ንሱ በታ መዓልቲ እቲአ ንቤት የሮብዓም ኬጽንታ እዩ። ሕጂ እሞ እንታይ ኪግበር እዩ፡

15. ሻምብቆ ኣብ ማይ ሰሰው ከም ዚብል፡ ንእስራኤል ድማ እግዚኣብሄር ኪወቕዖ እዩ። ንእግዚኣብሄር ኬዀርዩስ ኣስታርቴታቶም ስለ ዝገበሩ ኸኣ፡ ንእስራኤል ካብዛ ነቦታቶም ዝሀቦም ጽብቕቲ ምድሪ ኺምንቊሶም፡ ናብ ስግር ርባውን ኪዘርዎም እዩ።

16. ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትንእስራኤል ከኣ ዘሕጥኦም፡ ንእስራኤል ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ።

17. ሰበይቲ የሮብዓም ድማ ተንሲኣ ኸደት፡ ናብ ቲርጻውን መጸት፡ ንሳ ኣብ ልዳት ቤታ ምስ በጽሔት፡ እቲ ቘልዓ ሞተ

18. ከምቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡብነብዪ ኣሒያእተዛረቦ ቓል ከኣ ብዘለዉ እስራኤል ቀበርዎን በኸዩሉን

19. እቲ ዝተረፈ ናይ የሮብዓም ነገር ድማ፡ እቲ እተዋግኦን እቲ ዝነገሶን፡ እንሆ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ አሎ።

20. እቲ የሮብዓም ዝነገሶ ዘመን ከኣ ዕስራን ክልተን ዓመት እዩ። ምስ ኣቦታቱ ድማ ደቀሰ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ናብዳ ነገሰ

21. ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ሮብዓም ኪነግስ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ። ኣብታ እግዚኣብሄር ስሙ ኣብኣ ኼንብር ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐረያ ኸተማ የሩሳሌም ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ናዓማ፡ ንሳ ዓሞናዊት እያ።

22. ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዚበዝሕ ሓጢኣት ብምግባሮም ከኣ ኣቕንእዎ

23. ንሳቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ነዋሕቲ ዂርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኦምን በረኽትን ሓወልትታትን ኣስታርቴታትን ሰርሑ

24. ኣብታ ሃገር ድማ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝሩ ነበሩ። ከም ኲሉ ርኽሰት እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ይገብሩ ነበሩ።

25. ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ሮብዓም ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ንየሩሳሌም ደየባ

26. ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤት ንጉስን ከኣ ወሰደ፡ ንዂሉ ወሰዶ። ነቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ዂሉ ዋላቱ ወርቂውን ወሰዶ።

27. ንጉስ ሮብዓም ድማ ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ኣስራዚ ገበረኣብ ኢድ ሓላቑ እቶም ንደገ ቤት ንጉስ ዚሕልዉ ተኸልቲ ኣማዕቈቦም።

28. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምስ ዚኸይድ፡ እቶም ተኸተልቲ የልዕልዎ ነበሩ፡ ናብ ቤት እቶም ተኸተልቲ ድማ ይመልስዎ ነበሩ።

29. እቲ ዝተረፈ ናይ ሮብዓም ነገር ድማ፡ ኲሉ ዝገበሮ ዘበለ፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

30. ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ከኣ ኲሉ ዘመን ውግእ ነበረ፡

31. ሮብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረስም ኣዲኡ ድማ ናዓማ እዩ፡ ንሳ ዓሞናዊት እያ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣቢያም ነገሰ