1-2. ኣሕዋተየንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኹልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል ኤፍልጠኩም አሎኹ።

3. እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ

4. ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ

5. ንኬፋ፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ

6. ድሕሪኡዚበዝሑ ኻባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለዉ፡ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ

7. ድሕሪኡ ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዂላቶም ሃዋርያት ተራእየ

8. ድሕሪ ዂላቶም ድማ ንኣይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ

9. ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጒክዋምንኣስ ኲላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቚዕ ኣይኰንኩን

10. እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዓርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነንእቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን

11. እምብኣርሲ ኣነ እንተ ዀንኩንሳቶም እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ጌርና ንሰብኽ አሎና፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣመንኩም

12. ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም፡ ትንሳኤ ምዉታት የልቦንዚብሉ ዘለዉ

13. ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን

14. ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ።

15. ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘይትንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና።

16. ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡

17. ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም አሎኹም።

18. እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም።

19. ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።

20. ሕጂ ግና ክርስቶስበዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ

21. ስለዚ ኸምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ

22. ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም።

23. ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ

24-25. ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኵሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን

26. እቲ ኣብ መወዳእታ ዝስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ።

27. ኣምላኽ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ዅሉ ኣግዝኦ እሞ፡ ኵሉ ተገዝኤ፡ ኪብል ከሎ፡ ብዘይ እቲ ዅሉ ንእኡ ዘግዝኦ ኸም ዝዀነ፡ ግሁድ እዩ

28. ኵሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ።

29. እንተ ዘይኰነስ፡ እቶም ኣብ ክንዲ ምውታት ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ብሱሩ ምውታት ዘይትንስኡ እንተ ኾይኖምሲንምንታይ ደኣ ዚጥመቑሎም

30. ስለምንታይ ድኣ ንሕናኸ ዅሉ ጊዜ ኣብ ፍርሃት እንኣቱ

31. ኣሕዋተየ፡ ኣነ በቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣባኻትኩም ዘሎኒ ትምክሕቲ ኣብ ጸጽባሕ እመውት አሎኹ።

32. ኣነ ኸም ግእዚ ሰብ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ፡ እንታይ ጥቕሚ አሎኒ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀኑስ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን

33. ኣይትታለሉሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ።

34. ገሊኣቶም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ፡ ንቕንዕና ተባራበሩ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩእዚ ምእንቲ ኽትሐፍሩ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ

35. ገለ ግና፡ ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዚትንስኡብኸመይ ዝበለ ስጋኸ እዮም ዚመጹ፧ ዚብል ይህሉ

36. ኣታ ዓሻእቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ።

37. እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይስ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይ እዩ እምበር፡ እቲ ስጋ ዚኸውን ኣይኰነን እትዘርኦ ዘሎኻ።

38. ኣምላኽ ግና ከም ዝደለየ ገይሩ እዩ ስጋ ዚህቦንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን ሰስጋኡ ይህቦ።

39. ስጋ ሰብ በይኑስጋ እንስሳ በይኑስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፡ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፡ ኲሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን።

40. ሰማያዊ ስጋ ድማ አሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ አሎ፡ ግናኸ ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩ

41. ብኽብርስ ኰዀብ እኳ ኻብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ እሞክብሪ ጸሓይ በይኑክብሪ ወርሒ በይኑክብሪ ኸዋኽብቲውን በይኑ እዩ።

42. ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ፡ ብዚሐልፍ ይዝራእብዘይሐልፍ ከኣ ይትንስእ

43. ብውርደት ይዝራእብኽብሪ ይትንስእብድኻም ይዝራእብሓይሊ ይትንስእ

44. ነፍሳዊ ስጋ ይዝራእመንፈሳዊ ስጋ ይትንስእነፍሳኣዊ ስጋ ኻብ ዚህሉመንፈሳዊ ስጋውን አሎ

45. ከምኡ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብኣዳምህያው ነፍሲ ዀነ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ

46. ግናኸ ቅድም እቲ ነፍሳዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነንደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ።

47. እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ

48. ከምቲ መሬታዊ ኸምኡ ኸኣ እቶም መሬታውያን እዮምከምቲ ሰማያዊ ድማ ከምኡውን እቶም ሰማያውያን እዮም

49. ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰናምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና

50. ግናኸኣሕዋተየስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎእቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሐልፍ ከም ዘይወርሶእብለኩም አሎኹ።

51. እንሆምስጢር እነግረኩም አሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና

52. ብሓንሳእብቕጽበት ዓይኒበቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮምንሕናውን ክንልወጥ ኢና

53. ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ።

54. እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ

55. ዎ ሞትኣበይ አሎ ብልሕኻኣታ ሲኦልከኣበይ አሎ ዓወትካ

56. ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ

57. ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።

58. ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩምብዕዮ ጐይታ ጽኑዓትዘይትናቓነቑኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ