1. ኣሕዋተየኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ።

2. ኲላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ

3. ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ

4. ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም እሞ፡ እቲ ኸውሒ እቲ ኸም ክርስቶስ እዩ።

5. ካባታቶም እቶም ዚበዝሑ ግና ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን፡ ስለዚ ኣብ በረኻ ተወድኡ

6. እዚ ኸኣከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ ንሕና ነቲ እከይ ምእንቲ ኸይንምነመለበሚ ዀነልና

7. እምብኣርከ፡ እቲ ህዝቢ ኺበልዕን ኪሰትን ተቐመጠ ኺሰሐቕውን ተንስኤ፡ ዚብል ከም እተጻሕፈከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ

8. ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑኣይንመንዝር

9. ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡንክርስቶስ ኣይፈትኖ

10. ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦምኣይነዕዘምዝም

11. እዚ ዂሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ

12. ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎከይወድቕ ይጠንቀቕ

13. ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምንኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስመውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

14. ፍቁራተየስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ

15. ከም ነስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ

16. እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን

17. ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና።

18. ንእስራኤል እማ ብስጋ ጠምቱእቶም ካብ መስዋእቲ ዚበልዑስ ምስቲ መሰውኢዶ ሕብረት የብሎምን እዮም፧

19. እንታይከ እብል አሎኹ፧ ንጣኦታት እተሰውኤዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይ ጣኦታዶ ገለ ነገር እዩ፧

20. ኣይፋሉ፡ ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበርንኣምላኽ ኣይኰነንምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ።

21. ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ።

22. ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ኸነቕንኦ ዲና፧ ካብኡዶ ንሕና ንብርትዕ

23. ኲሉ ተፈቒዱለይኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይኲሉ ግና ኣይሃንጽን እዩ።

24. ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ

25-26. ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዂሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ

27. ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ጸውዓኩም እሞ ክትከዱ እንተ ደሌኹምስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩምእተቐረበልኩም ዘበለ ዂሉ ብልዑ

28. ገለ፡ እዝስ ንጣኦታት እተሰውኤ እዩ፡ እንተ በለኩም ግና፡ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ

29. ማለት፡ ሕሊና ብጻይካ ደኣ እምበር፡ ሕሊና ርእስኻ ኣይበልኩንስለምንታይከ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዚፍረድ

30. ኣነ ብምስጋና ኻብ ዝምቀሎ ደኣ፡ ስለምንታይ በቲ ዘመስግነሉ ዝጽረፍ

31. እምብኣርሲ እንተ በላዕኩምወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩምኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ

32. ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ።

33. ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደሌኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዂሉ ነገር ንዂሉ ሰብ ኤሐጒስ አሎኹ።