ክንደይ’ኮን ምጠዓመ !

Posted on 2013-11-06 · 1166 · 0 · 0

32 resources uploaded

ከምቲ መልሓሰይ ዘረባ ዝምህር ዘላምድ
ውሕሉል-ቓላት ከውስእ ዝቓኒ ዘዋድድ
ልበይ ’ተዝምዕድ ትሕትና ’ተዘላምድ
ብፍቕሪ ’ተዝመልእ ’ተዝነድድ
ኣቤት! ክንደይ’ኮን ምጠዓመ !
ልቢ ምዓረፈ
ኣእምሮ ምቐሰነ
ህይወት ምመቀረ
ናብራ ምጠዓመ

ከምቲ ኣካል-ስጋይ ዝኣሊ ዝከናኸን
ክማዕርግ ምእንቲ ‘ተመርጸ ዝኽደን
ሕልናይ ’ተዘድህበሉ ’ተዝብሎ ጽን
ኽፉእ ’ተዝፍንፍን ’ተዝጽየን
ኣቤት! ክንደይ’ኮን ምጠዓመ !
ውሽጢ ምረግአ
ሓሳብ ምቐንዐ
ፍቕሪ ምሰሰነ
ህይወት ምጸበቐ

“ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።” (እብራውያን 5:14)

0 comments
Other Poem