ኣነ መን’የ፧

Posted on 2013-03-25 · 1420 · 0 · 2

5 resources uploaded

ኣነ መን እየ፧
ቓል ኣምላኽ ከምዝብለኒ
እዚ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝምህረኒ
ንቅኑዕ ናብራ ንተግሳጽ ንምእራም
ይጠቕመኪ’ዩ ንኽትኮኒ ለባም
ስለዚ ብቓል ኣምላኽ መሰረት ሓቲተያ ንሂወተይ
ክፈልጥ ደልየ መን ምዃነይ መንነተይ

ኣነ መን እየ፧
ከም ሄዋን መታዓልልተይ ዘይፈልጥ
ንቓል ኣምላኽ ተኣዚዘ ከየምልጥ
ዝተኣዘዝኩዎ ገዲፈስ ዝሰምዕ ድምጺ ካልእ
ንርእሰይ ሲሒተስ ንሰብኣየይ ዘሕጥእ፧

ኣነ መን እየ፧
ከም ሳራይ ትጽቢት ነዊሑኒ
ብዘይ ዉላድ ምዃነይ ኣጽሊኡኒ
ንሰብኣየይ ካብ ተስፋ ኣምላኽ ኣውጺአ
ናብ ግዝእተይ ኣቲዩ ሓድጊ ክገድፍ ደፋፊአ
ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ንነዊሕ ዓመታት ዝፈሊ
በረኽት ኣምላኽ ኣብ ቤተይ ዘዳናጒይ፧

ኣነ መን እየ፧
ከም ርብቃ እግዚኣብሔር ዘበለኒ ዘየስተውዕል
እቲ ዓቢይ ነቲ ንእሽቶ ኺግዛእ እዩ ዝብል
ገዲፈ ነቲ ኣምላኻዊ ቓል ዝተነግረኒ ካብ ላዕሊ
ናይ ገዛእ ርእሰይ ክፍጽም ተጋዲለ ደቀይ ዝፈላሊ፧

ኣነ መን እየ፧
ከም ራሄል ውልድ ከምዘይብለይ ምስ ረእኹ
ኣምላኽ ምዃኑ ውሃቢ ዝረሳዕኩ
ውሉድ ሃብኒ እንተ ዘይኮነ እመውት ኣለኹ
ኢለ ዝጭድር ኣብ ልዕሊ ሰብኣየይ እናበኸኹ
እዚ ከይኣክል ካብ ቤት ኣቦይ
ጣኦታት ሰሪቀ ዝጎዓዝ ምስ ሓዳረይ፧

ኣነ መን እየ፧
ከም ሚካል ሰብኣየይ ንኽብሪ ኣምላኽ
ከም ቖልዓ ክዘልል ምስ ረኣኹ
ኩቡር ምዃኑ ኣብ የዒንቲ ኣምላኽ
ረሲዒ ድየ ንሰብኣየይ ዘቃለል፧

ኣነ መን እየ፧
ከም ሃና እግዚኣብሔር ውሃቢ ምዃኑ ተረዲአ
ሰብኣየይ ከየጨነቕኩ ንኹሉ ብትዕግስቲ ጸይረ
ዓሰርተ ዕጽፊ ጊዜያዊ ህያብ ከይጠመትኩ
ህያብ ኣምላኽ ድኣ ብሂገ እናተጸበኹ
ናይዛ ምድሪ ኩሉ ሓላፊ ምዃኑ ተርዲአ
ብጸሙን ጸሎትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽይ ተደፊአ
ናይ ዘመንይ ነብዪ ክውለድ ዝጽሊ ድየ፧

ኣነ መን እየ፧
ከም ኣቢጋይል መስተውዓሊት እቲ ዝመጽእ ዝፈልጥ
“ሕነ ምፍዳይ ናትይ እዩ፡” ዝብል ቓል ኣምላኽ ዝዝክር
ንቁብእ እግዚኣብሔር ካብ ክፋእ ዝመልስ
በረኸት ከምዝግብኦ ተረዲአ ዝባርኽ፧

ኣነ መን እየ፧
ኣነ ብክርስቶስ ዳግም ዝተወለድኩ
ንጎይታ የሱስ ኣብ ልበይ ቦታ ዝሃብኩ
ነቲ ዘይከኣል ብጸግኡ ንሱ ከምዘኽእለኒ
ኣሚነ ዝመላለስ ክኸውን ከምቲ ዝደልየኒ
ከምተን ቀዳሞት ኣዲታትይ ንኣምላኽን ቓሉን ፈሊጠን
ንኣምላኽ ኣስሚረን በረኽትውን ዝኾና ብምእዛዝ ንሰብኡተን
ኣብነተን እናሳዓብኩ ዝነብር
ንበረኽት ክኻውን ዝጽዕር
ኣነ ከምኣተን ክኸውን’የ ዝጽሊ ።

ዮርዳኖስ እስቲፋኖስ
14-12-2012

2 comments

ኣሚን፡ ጎይታ ኣብዚሑ ይባርኽካ ማይኽ ሓወይ፡

ጎይታ ይባርኽኪ ዮርዲ!
Other Poem