ነጸብራቕ ፍርዲ

Posted on 2012-04-12 · 1104 · 0 · 1

5 resources uploaded

ደሙ ፈሲሱ
እቲ የዕጫው ተርኪሱ
ዝተጀላልዐ ቆርበት
ዘስካሕክሕ ትርኢቱ
እምብዛ እህህታ
ኣፋፍኖት ሞቱ
ፍርዲ ገዲፍሎም
ነቶም መሳቕልቱ
እቲ ብእምነቱ እቲ ብቓላቱ
“ወዲ ኣምላኽ እንተ ኮይንካ”
ቃል ድፍረት ምሰ’ውጽአ
ብኡ ብኡ ተቐብጸ።
እቲ ትሑት ግን
ኣብ ዝሓሸ መኣዝን
ተሰቒሉ...ንቓሉ
ጐይታ ሰሚርዎ
ናይ ንስሓ ጸሎት
ሽዑ ደርጒሕዎ
ሲኦል ከም ዘይርኢ ሽዑ ነጊርዎ
ሻቡ 'ዩ ድሒኑ
ከሎ ኣብ መስቐሉ
ጐይታ ብምቕባሉ።

1 comments

መስተንክር ግጥሚ! ሰለሙን ቀጽሎ ኣቢ ድማ የቐንየልና።
Other Poem