ወርሒ ኣቢብ

Posted on 2012-01-27 · 857 · 0 · 1

1 resources uploaded

እግዛብሄር ተዋጋኢ’ዩ
ስሙ ድማ እግዚኣብሄር’ዩ

ጎይታ የሱስ ተዋጋኢ’ዩ
ስሙ ድማ ቅቡእ መሲህ’ዩ
ንጸላእተይ ረጋጊጽዎም’ዩ
ኣብ’ቲ ሲኦል ኣስታሕፊርዎም’ዩ


ናብ መዓሙቕ ሲኦል ወረዱ
መርሖ ሞት ሲዒሩ ተንሲኡ
እቶም ጸላእተይ ሕፍረት አጎልቢቡ
ሓድሽ ኪዳን ኣወት ተበሲሩ

ብመስዋእቱ ሂወት ተረኺቡ
አብ ሲኦል አዋጅ ተኣዊጁ
ወርሒ ኣቢብ መዝሙር ተዘሚሩ
ኩልካትኩም ኣውክዑ ዓልሉ

ጎይታ የሱስ ጅግና(2)
ናይ ይሁዳ ኣንበሳ(2)
ኣብ’ቲ ሲኦል ኣጽዋራቶም ገፊፍዎም (ጅግና2)
ንጸላእተይ ኣሕፊርዎም ቀጥቂጥዎም (ኣንበሳ2)

ፈርኦን ሰራዊቱን ግብጻውያን ኩላቶም
ብዕቤት ግርማኡ ክትስኡዎ ‘ሎም
ፈረስ ፈረሰኛ ኣብ ባሕሪ ተድሪብዮም
ማያት ከም ንዓረር መዓሙቕ ከደኖም

1 comments

ኣሜን