ሩት ሞኣባዊት

Posted on 2012-01-14 · 1183 · 1 · 1

1 resources uploaded

ሰብኣይ ዘይብላ ንምዃን መበለት
ምስ ናእሚ ክትካፈል ምረት
ካብ ጥዑይ ሕልና ወሰነት
ቆሪጻ ተላዕለት ጨኸነት
ንሕሱም ናብራ ንድኽነት
ናብ ዘይትፈልጦ ዓዲ ናብ ስደት
ምስ ሓማታ ንምኻድ ተበገስት

ንህይወት ኮነ ንሞት
ምሳኺ እየ ዝግስግስ ንቕድሚት
እንተስ ንጣዕሚ ወይስ ንኽርተት
ምሳኺ እሕሸኒ ድኣ በለት

ምሳኺ ምንባረይ
ኣብ እትወድቅያ ምውዳቀይ
ኣብታ እትኣትውያ ምእታወይ
ኣብ እትሓድርያ ምሕዳረይ
ኣምላኽኪ ኣምላኸይ
ህዝብኺ ህዝበይ
ሞት ትኹነኒ ከይምለስ ንድሕረይ
ማሕላ ትኹነኒ ከጥምት ንድሕረይ

ኢላ ጭኻነኣ ስለዘፍለጠት
ምስ ናእሚ ሓማታ ሰዓበት
ናብ ቤት ልሄም ዓዲ ዳዊት መጸት
ናብታ ከተማ ምስ ኣተወት
እታ ከተማ ብዛዕበን ተባዓደት
ተታሒዘን መጺኤን ክልተ መበለት
ኣንታ እዚኣስ ናእሚ ድያ ወይስ ምረት
ሰብኣይ የብላ ቆልዑት
ተሓንጊጣ ምምጻኣ እግድድ ንእሽተይ መበለት
እሞ ኸኣ ሞኣባዊት
እንተትኸውን ከ እንታይ ጸሊእኹም እስራኤላዊት
ሞኣባዊት እምበር ካብ ዘይጽሩይ ዓሌት
ናይት’ኣ እንዶ ግዳ ኣይገድድን ናይታ ሩት
እንታይ ክትገብር ኢላ ናብ ዘይዓዳ ዝመጸት
ሰብኣይን ሓሙታን ምስ ሞቱ ሽዑ ዘይቀበጸት
ዝገርም እዩ! መበለት ሒዛ መጺኣ መበለት
ኢላ ህዝበይ ኣሕሾኽሾኸት
ኩላ በብናታ ተዛረበት
ብሓድሽ ወረ ተባዓደት
እናተቀባበለት ዜና ኣላበዐት

ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተረኽቡ ገለ ሕያዎት
ግደፍዎን ኣቱም ሰባት
ይእከለን እቲ ዘለዎን ምረት
ነውሪ እዩ ግበሩለን ምሕረት
ዝብሉውን ኣይተሳእኑን ገለ ብሩኻት

በብቕሩብ ናይ ሩት ደግነት ተፈልጠ
ኩሉ’ቲ ከንፈሩ ዝረምጠጠ
ክትሓልፍ ከላ ሞኣባዊት ኢሉ ዝሽምጠጠ
ብቅንዕናኣ ተረቲዑ ኣስቀጠ
ብደግነታን ብሕያውነታን ተመስጠ
ኣምላኽ ምስ ኣኽበራ ኣንፈጠፈጠ
ዝኣርያ ዘበለ ዓይኑ ኹሉ ኣፍጠጠ

በለ ድማ
ተጋጊና ሕጂ ግን ተጣዓስና
ሩት ኣደ ቅንዕና
ንሓማታ ኢላእንድያ ጭኺና
ንሓማታ ኣክበረት ንርእሳ ባኺና

ካብ ጥዑም ናብራ ምስ ምሉኣት ስድራ ቤት
ምስ ናእሚ መከራ ክትጸግብ መረጸት
ካብ ዓዳን እንዳቦኣን ናብ ስደት ኣምረሐት
ነቲ ዝመጽእ ተስፋ ኣርሒቃ ስለ ዝጠመተት
ዝተከፍለ ዋጋ ይከፈል ኢላ ጨከነት
ነዚኣስ ይግብኣዩ በረኸት
ኢላ ህዝበይ ዘረባኣ ቀየረት

ንምታይ እንተ ተባህለ ብኣምላኽ ስለዝኸበረት
ብሕያውነት ኣምላኽ ስለዝተሓስበት
ብህያው ኣምላኽ ንዓቢ ዕላማ ሰለዝተጸወዐት
ዝገርም እዩ!
ሩት ሞኣባዊት ዓባዩ ኰይና ንንጉስ ዳዊት
ርሕቕቲ ዝነብረት ኰይና ውሽጣዊት
ኣብ ዘርኢ ክርስቶስ ዘለዋ ሕብረት
ኣብ ሕሩይ ዘርኢ ክትከውን ዕድል ረኸበት
ንወሎዶታት ከተቕውም መሰረት
ንኣህዛብ ምስ ህዝቢ እስራኤል ኣጸናበረት
ብኣምላኽ ከበረት
ኣብ እስራኤል ስልጥንቲ ኾነት
ጀጋኑ ወለደት
ዓቢ ስም ረኸበት
ከበረት
ሩት

1 comments

ኣገልግሎትካ ጐይታ የሰስኖ! ንበረኸት ኩን።
Other Poem