ቅኑዕ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ

Posted on 2012-09-10 · 1219 · 0 · 0

12 resources uploaded

እቲ ቐደም ... ርሑቕ ካብ ሂወት ኣምላኽ
እንከለኹ ንፍትወተይ ... ዘምልኽ
ቀይዲ በተኽ ... ስለዝነበርኩ
ሂወት ኣምላኽ ... ምስተኻፈልኩ
ንኣምላኸይ ክኽሕሶ ... ሐለንኩ።
ስለዚ’ድማ
ንኣምላኽ ባህ ... ከብሎ
ድሌታት ልቡ ... ከማልኦ፣
ጸዓርኩ ... እንተኾነኒ ውሬታ
ከምልጥ ካብቲ ናይ ሕልና ... ወቐሳ፣
ኣቤት ጉያ ... ኣቤት ጻዕሪ
ኣቤት ህርኩትነት ... ብዘይ ከትሪ፣
ኣምላኽ ብሰብ ... ባህ ክብሎ
ብኣይ ብንኡስ ... ባህታ ክስምዖ፣
ነዊሕ ... ብዝፈተንኩ ህሞት
ገለ ነይራእኩ ... ናይ ሂወት ዕጋበት፣
መዓልታት ምቑጻር ... ጥራይ ኮይኑ
እቲ ስጋ’ውን ... ማህሚኑ
ስለዚ ክሓትት ጀመርኩ ... ንነብሰይ
ገለ’ድ’ኾን ዘንጊዐ ... ይኸውን ብርእሰይ
ሓቲተ’ድማ ከምዚ’ለ ... ንባዕለይ
“እግዚኣብሄር ብሰብ ባህ ኢልዎ’ዶ ይፈልጥ?”
ኣገናጺለ ገጻት ... ብምግልባጥ
ኣጣይቐ’ውን ... ቀዳሞት ኣሕዋት
ድሕሪ ነዊሕ ረኺበ ... ሓደ መስተዓሊ
ኣተምቢሁለይ’ድማ ... ብዓቕሊ
ሓወይ ...
“ንእግዚኣብሄር ዘሐጉሶ ... እንኮ ነገር እዩ”
ንሱ’ድማ ... ወዱ ጎይታ የሱስ ጥራይ’ዩ
ስለዚ’ድማ’ዩ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቑር ወደይ” ብምባል ዘድመጸ
ደጊሙ’ውን ዝበለ ... “ንዕኡ ስምዕዎ” ክብል ዘቃልሐ።
ከም’ዚ ሃንደበት ... ካብ ድቃስ ዝበራበር
ነቓሕኩ ... ሓውሲ እንክበርር
ለካ’ንዶ ግዳ ... በልኩ ንነብሰይ
ትሩፍ ድሕሪ ደጊም ... በልኩ ነቲ ከንቱ ጻዕረይ
ኣቋራጭ እንከሎኒ ... ሃልኪ ዘይብሉ
ከንቱ ባኺኑ ... ጊዜይ ብኸምኡ፣
እሞ በልኩዋ ... ንነብሰይ
ዕረፍን ... ህድእን
ዝተገብረልኪ ... ብምስትውዓል
ሓርነት ከምዝኾነልኪ ... ብምስትብሃል
ተመልከትዮ ነቲ ... ምሉእ ዋጋ ምኽፋል
እዚ ፍልጠት’ዚ ... ምስትፈልጢ
ኣቦ ባህ ይብሎ ... ብኣኺ
ንወዱ ምፍላጥ እዩ ... ባህታኡ
ካልእ ዋላ ሓደ የብሉን ... ዊንታኡ
ኩሉ ብእኡ ክኸውን እዩ ... ፈጢርዎ
ብስሙ’ውን ... ኣቒምዎ
ነፍሰይ ብጎይታኺ ... ባህ ይበልኪ
ብኣምላኽ ምድሓንኪ ... ተሃጎስን ዕረፍን

0 comments
Other Poem