ፍርሃት

Posted on 2011-12-31 · 944 · 0 · 0

35 resources uploaded

ፍጡር ወዲ ኣዳም
ይፈርህ ይሃድም
ገለ ካብ ጸልማት
ገለ ካብ መዓት
ገለ ካብ ሞት
ገለ ካብ ስደት
ፍርሃት...ስቅያት
ጉድኣት ኮይኑ
ንሰባት ውሒጡ።

ኣነ ግና ፈሪሄ
ብምፍርሄይ ረቢሔ
ካብ እከይ ተሓልዬ
ሓይሊ ረኺበ
ቃድራ ልበይ ኣልሚዔ።

ምፍርሀይ...ኣጽዋር ኮይኑ
ምንጪ ሓይለይ
ሓለዋ ንልበይ።
ምፍርሀይ...ትብዓተይ ኮይኑ
ቧሕጊጉ ኣውጺእዎ ንፍርሃት ካብ ውሽጠይ።
ምፍርሀይ...ዕረፍተይ ኮይኑ
ምስጋአይ በኒኑ ኣብኡ ብምውዳቐይ።

ፍርሃተይ ፍርሃት ኣምላኽ
ምስትውዓል ኮይኑኒ መጀመርታ ጥበብ
ናብ ህይወት ዘምጽእ ካብ ክፉእ ዝዕቅብ!!

“ፍርሃት እግዝኣብሄር ናብ ህይወት የብጽሕ፣ ሳልኡ ሰብ ጸጊቡ ይሓድር፣
ክፉእ ከኣ ኣይረኽቦን።”
ምሳ 19.23

0 comments