ንስኻ መን ኢኻ፧

Posted on 2013-04-23 · 1117 · 0 · 0

5 resources uploaded

ከም ኣዳም ብፍቕሪ ጀሚርካ
ዓጽሚ ካብ ኣዕጽምተይ
ስጋ ካብ ስጋይ
ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ’ያ ዝበልካ
ሰበይቲ ትባሃል ኢልካ ዝሰመኻ
ፈተና ምስ መጸ ማዕበል ምስተላዓለካ
እታ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ብምባልካ
እትሪኣ ከምዘይ ናትካ

ንስኻ መን ኢኻ፧
ከም ኣብርሃም ኣቦ ቡዛሓት ክትባሃል ተጸዊዕካ
ሳራይ ዓቅላ ምስ ኣጽበበት ድምጻ ሰሚዕካ
መብጽዓ ኣምላኽካ ገዲፍካ
እስማዒል እተምጽእ ናብ ኣጋር ብምእታውካ

ንስኻ መን ኢኻ፧
ኣዴኻ ብሞት ምስተፈለየት ካባኻ
መተካእትኣ እተምጽእ ደበስ ክትኮነካ
ሰበይትኻ ዘይትመስለካ
እተቐምጣ ኣብ ቦታ ናይ ኣዲኻ
ኣብ ቤትካ ከም ሰብኣይ ዘይኮንካስ
እትነብር ከም ውሉድ ኾይንካ
ከም ይሳቕ ዲኻ፧

ንስኻ መን ኢኻ፧
ውሽጣዊ መልክዕ ዘየገድሰካ
ደጋዊ መልክዕ ብቐሊሉ ዘስድዓካ
እታ መልክዐኛ ትብላ ብእኣ ትፈዝዝ
ዝዓበየትሉ ጣኦት ሒዛ እትጉዓዝ
ነታ ኣምላኽካ ዘይትፈልጥ ሰበይቲ
ክትምርዖ ትብል ላዕሊ ታሕቲ
ከም ያቆብ ዲኻ፧

ንስኻ መን ኢኻ፧
ከም ዮሴፍ ንኣምላኽ እትፈርሕ
ነታ ዝዘመወት ዝመሰለትካ
ብሕቡእ እትገድፍ ከይቃላዕካ
ኣምላኽ ምስ ተዛረበካ
ንድምጺ ኣምላኽካ ተኣዚዝካ
ጾራ እትጸውር ተመሊስካ
ኣብ ኩሉ ሽግራ ምስኣ ተኻፊልካ
ከም ዮሴፍ ምዃን ይሕሸካ
ኣብ ቤትካ ብሩኻት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክውለዱልካ።

0 comments
Other Poem