ይዒንትና ናብኡ የቕንዓ [Sunday 24th Mar 2024]

Posted on 2024-03-24 · 566 · 0 · 0

107 resources uploaded

የሱስ ኸኣ፡ ንዓ፡ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፡ ብማየማይ እናኸደ፡ ናብ የሱስ መጸ። ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና፡ ፈርሄ። ኪጥሕል ምስ ጀመረ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ፡ ኢሉ ኣእወየ። ማቴ.14:29-30

ሓደ ለይቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘስግኦም ዝነበረ ማዕበል እናሰጎመ ናብ ደቀ-መዛሙርቱ ምስ መጽኤ፡ ንሱ ምኻኑ ድማ ኣርጊጾም ምስተረድኡ፡ ጴጥሮስ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ማለት ብማየ ማይ እናኸደ ናብኡ ክመጽእ ንየሱስ ሓተቶ። የሱስ “ንዓ” ምስ በሎ፡ ጴጥሮስ ድማ ካብታ ጃልባ ወጽኡ ብማየ ማይ ናብ የሱስ ክስጉም ጀመረ። ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትና ከምቲ የሱስ ዝገብሮ ነገራት ምግባር ኣዝዩ ባህ ዘብል ተሞኩሮ እዩ። የሱስ’ውን ባዕሉ ከምቲ ኣቦ ንዓይ ዝለኣኸኒ ኣነ ድማ ንዓኻትኩም እልእከኩም ኣለኹ እሉዶ ተዛሪቡ ኣየሎን።

ተግባራት የሱስ ምግባርን ኣሰሩ ምስዓብን ግን ብኸምኡ ኣይርከብን እዩ። ዋጋ የኽፍል እዩ። እቲ ዘሔጉስ ነገር ግና ዋግኡ ካልእ ዘይኮነስ ናብ የሱስ ምጥማት እዩ። እንተ ኣስተውዒልና ጴጥሮስ ክጥሕል ዝጀመረ የዒንቱ ካብ የሱስ ኣልዒሉ ናብቲ ከቢብዎ ዝነበረ ማዕበል ምስ ኣበለን እዩ። ስለዚ ድማ የዒንትና ካብ የሱስ ኣይንእለየን። እምነትና ደኺሙ የዒንትና ናብኡ ምጥማት እንተኣበያና እሞ ነገራት ክውሕጡና እንተ ጀሚሮም ግና ከምቲ ጴጥሮን ዝበሎ “ዎ’ጐይታ እድሕነኒ!” ኢልና ነእዊ። ኢዱ ዘርጊሑ ከልዕለና እዩ።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ልኡኽካ ክኸውን ብወድኻ የሱስ ሓሪኻኒ ኢኻ። ኣስኣስረ ክርስቶስ ክኸይድ ድማ የዒንተይ ናባኻ የቕንዐን ኣለኹ። ኣብ ጊዜ ድኻመይ ግና ዎ’ኣምላኽ ርድኣኒ ኣእዳውካ ዘርጊሕካ ኣልዕለኒ፡ ንዘይምእማነይ’ውንደግፍ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments