ናብራና ከመይ እዩ? [Sunday 19th May 2024]

Posted on 2024-05-19 · 483 · 0 · 0

83 resources uploaded

እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና። 2ቈረ.5:1

ድንኳን ጊዚያዊ መጽለሊ እዩ። ሰባት ንምዝንጋዕ ወይ’ውን ወተሃደራት ኣብ በረኻ ክሰፍሩ እንከለዉ ንጊዚኡ ዝኸውን መዕቆቢ እዮም ዝሰርሑ። ንቐጻሊ ዝሰፍሩሉ ቦታ ስለ ዘይኮነ ድማ ድንኳን እዮም ዝተኽሉ። እቶም ክዘናግዑ ናብ በረኻ ዝወጽኡ ጊዜኦም ምስ ኣኸለ፡ እቶም ወተሃድራት ድማ ተበገስ ምስ ተባህሉ ድንኳውንቶም ምሕው ምሕው ኣቢሎም ይለዓሉ።

ጳውሎስ ኣብዛ ጥቕሲ ነዚ ኣብዛ ዓለም እንነብሮ ናብራ ከም ናይ ድንኳን ቤት ጌሩ ክጠቕሶ ንርኢ። ብርግጽ እውን ናይ ዘልኣለም ህይወት እንጽበ እንተዂንና እዚ ምድራዊ ናብራና ናይ ድንኳን ናብራ ክኸውን ኣለዎ። ተስፋና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ እንተኾይኑ ድንኳን ዘይኮነስ ዓሚቕ ዚመሰረቱ ጽኑዕ ቤት ክንሃንጽ እዩ ዘድልየና። ተስፋና ኣብ ሰማያት እንተኾይኑ ግና በዚ ናይ ምድራዊ ነገራት ከይተትሓዝና፡ ብምርኣይ ዘይኮነስ ብእምነት ክንመላለስ ይግብኣና። መሰረት ሓጎስና ጐይታ እንበር ትሕዝቶ ዓለም ከም ዘይኮነ ተረዲእና ኩሉ ጻዕርናን ሃቐናናን ንጐይታ ንምኽባርን ምግልጋልን ክንገብር ይግብኣና። ተበገስ ኣብ እንብሃለሉ እዋን ድማ ከም ጳውሎስ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ ጉያይ ወዲኤ፡ ነታ እምነት እውን ሓልየ እየ ክንብል ኢና።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ተስፋይ ኩሉ ብኣኻ እዩ። እዚ ዝነብሮ ዘለኹ ናብራ ናይ ድንኳን ህይወት ምዃኑ ቃልካ ምሂሩኒ ኣሎ። ሓጎሰይ ንስኻ ኢኻ እሞ ኣብዛ ናይ ድንኳን ቤተይ እንከለኹ ኩሉ ዘመን ህይወተይ ንዓኻ ኣኽቢረ ክሓልፍ ርድኣኒ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments