ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ [Sunday 4th Feb 2024]

Posted on 2024-02-04 · 511 · 0 · 0

107 resources uploaded

ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና። 2ቈረ.4:7

ጊዴዎን ብዝተፈላለየ ተእምራትን ምልክታትን ምስ ሓለፈ ከምቲ ኣምላክ ዝኣዘዞ ንእስራኤል ካብ ሚድያን ከናግፋ ተበገሰ። ጊዴዎን ንእስራኤል ካብ ሚዲያን ከናግፋ ኢሉ ዘኽተቶም ብዝሒ ሰራዊት 32,000 እዮም ኔሮም። እግዚኣብሄር ግና ክቕንሶም ነገሮ። ነቶም ፈራሃትን ተሸበርትን ምስ መለሶም ድማ 10,000 ኮኑ። እዚኦም’ውን ብዙሓት እዮም ኔሮም፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽ ካልእ መመመዪ መገዲ ተጠቂሙ 300 ጥራይ ከም ዝተርፉ ግበሮም (መሳ.7:1-8)። እዞም 300 ድማ ምስ ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖምን ሰራዊት ክዋግኡ ወጽኡ። ተዓዊቶም ድማ። ጊዴዎን ነቶም 32,000 ሰራዊት ሒዙ ተዋጊኡ እንተዝኸውን ኔሩ ከምቲ ኣምላኽ ንጊዴዎን ዝበሎ እቲ ህዝቢ ብቕልጽምና ኢና ስዒርና ምበለ ኔሩ። ሕጂ ግና እቶም 300 ሰራዊት ከመይ ኢሎም ከም ዝሰዓሩ ብዘየማትእ መገዲ ይፈልጥዎ እዮም። ነቲ ክብሪ ዝግብኦ ኣምላኽ ካብ ምኽባር ድማ ኣይጎደሉን።

ንሕናኸ ክንደይ እዋን ኢና ነገራትና ስለ ዝመልኤ ንኹነታትና ብናትና ብቕዓትን ክእለትን እንሰግሮ ዘሎና ካይኑ ዝስምዓና? ክንዝንግዖም ዝይግብኡና ክልተ ነገራት ኣለዉ። ቀዳማይ ተሰበርቲ ኣቓሓ መሬት ምዃንና ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ካብ ዓወት ናብ ዓወት ዝመርሓና ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ምህላዉ እዩ። ስለዚ ድማ ኩሉ ዓወትና ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ከይዘንጋዕና ንኣምላኽ ክብሪ ካብ ምሃብ ኣይንጉደል።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ንስኻ ኩሉ ከኣሊን ናይ ዓወተይ ኩሉ ምንጪን ኢኻ። ንስኻ ምሳይ ስለ ዝኾንካ ድማ ካብ ሰዓርቲ ንላዕሊ እየ’ሞ ኤመስግነካ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments